ሓንሳዕ ንደማመፅ እሞ!!

ብሓየት ሰጋር (ካብ ማሕበራዊ ሚድያ)

እዚ አብ ሓደሓደ ኸባቢታት ትግራይ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ተቃውሞታት፣ ቀደም ህወሓት/ኢህወደግ አብ ስልጣን እንዳሃለወን፣ ገባሪ ሓዳጊ እንተሎን እንተዝኸዉን ነይሩ ከመይ ጽቡቅ ነበረ። ዂናት፣ ፅንተትን ዕንወትን ዝብሃሉ ነገራት አይምተፈጠሩን። ኮታስ እቲ ስርዓት ትኽክለኛ መስመሩ ክሕዝ ተገይሩ፣ ዓድን ህዝቢን ቀሲኑ፣ ምናልባት እውን ናይ ልምዓት ተረባሒ ኾይኑ ምነበረ። ሎሚ አብዘይቦትኡን ጊዚኡን ፃሕበርበር ምባል ሓንቲ ዓይንኻ አንቊርካ አብ ፀላም ንምንባር ዝግበር አካይዳ ዓይኒ ዕሙተይ እዩ። ብአደባባይ በዚ መንገዲ ክዝርዝሮ አይደልን ነይረ፣ ግን እቲ ኹነታት አገዲዱ አሎ። እዚ ንህወሓት ወይም ነቶም ሰበ ስልጣናት ብምሕላቅ ዘተፀሓፈ ወይ ድማ ፕሮፓጋንዳ ሓደ ካድረ ገይርኩም ከይትወስድዎ። ንልዕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት አንጻር ህወሓት ዝዘርግሖ ናይ ዓፈና ስርዓትን ብሽም ህዝቢ ዝሽቅጡሉ ዝነበረ አካይዳኦም ጠጠው ከብሉን ቅድሚ ማንምን ልዕሊ ማንምን ዝቃለስ ዝነበርኩ ሰብ እየ። ትማሊ ይኹን ሎሚ አነ ዘቀድሞ፣ ናይ ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ መጻኢ ወለዶ ትግራይ እዩ። በዚ ምኽንያት እውን እየ ናብ ፖለቲካ ዝተሰሓብኩ። እሞስ ንደማመፅ!

1) ብቀዳምነት ፀላኢና ነፂርና ንፍለጥ። ብሰንኪ ሕወሓት ተዓሚፀ/ነፂተ ኢልካ አውያትን፣ ብህወሓት ተዓሚፀ/ነፂተ ኢልካ አውያትን ሓደ አይኮነን።  ዘራኽብ እውን የብሉን። ብሰንኮም ይኹን አይኹን ብዘየገድስ፣ ብገበን ክሕተት ዘለዎ ጸላኢ እቲ ዓማጺን አንጻቲን እዩ። እቲ ገበነኛ ክሳብ ሕጂ ተሓታቲ አይኮነን ዘሎ። ዝሕተት እውን አይመስልን። ብገበን ዘይምሕታቱ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሓራ ከም ዘውጸአና ሓይሊ ገይርካ ምቅባል እውን ተጀሚሩ አሎ።

እስኪ ብሓደ አብነት ንላዘበሉ። ኣነ ሓየት ምስ ሓደ ውልቀ ሰብ እንድሕር ተባኢሰን፣ እቲ ውልቀ ሰብ ንዓይ ንምርካብ ንሰበይተይ እንድሕር ዓሚጽዋ፣ ገበነኛ እቲ ዓማጺ እምበር አነ አይኮንኩን። ዋላኳ ብስነከይ (ሓየት ምስቲ ሰብ ስለዝተበኣስኩ) ሰበይተይ እንተተዓመጸት፣ ጸላኢ ሰበይተይ እቲ ዓማጺኣ እዩ። አነ አይኮንኩን። ሕነ ንምፍዳይ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ግፍዒ እውን እንተዝኸውን ነይሩ፣ ስቲል ቁጽሪ ሓደ ተሓታቲን ገበነኛን እቲ ዓማጺኣ እዩ።

አብ ልዕሊ ትግራይ አብይ አሕመድ ዘበጽሖ ህልቀት፣ ሕነ ምፍዳይ ከምዘይኮነ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። በዚ ደረጃ ህወሓት/ኢህወደግ አብ ልዕሊ ማንም ህዝቢ ይኹን ሓይሊ ዝወሰዶ ናይ ጽንተት ስጉምቲ ስለዘይነበረ! እታ ዓባይ ብኽያቶም “የበይ ተመልካች ኮይንና” እያ ዝነበረት። ንጽንተት ትግራይ ልዕሊ ክልተ ዓመት ተሊሙን ስትራተጂታት ሓንጺጹን ናብ ተግባር ዝአተወ ጉጅለ ኦህዴድን መሻርኽቱ ብአዴንን፣ ከም ማንም ካድረ/አመራርሓ ህወሓት አብ ዘመነ ኢህአዴግ ይጉሕሉ፣ መሬት ይሽቅጡን ይብዕልጉን ነይሮም። ንህዝቢ ትግራይ ዘጸንት ምንም ዓይነት ገበን ህወሓት አይፈጸመን። ይትረፍ ዶ ብቀጥታስ፣ ብሕነ ምፍዳይ ደረጃ እውን ክምኽነ ዝኽእል፣ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ጽንተት ዘብጽሕ ገበን ህወሓት አይፈጸመን። ሶ ዝዓመጸካን ዘንጸተካን ሓዲግካ (ሓቊፍካ)፣ ብስንክኹም እዩ ብዝብል ምኽንያት ጻሕበርበር ምባል፣ አህያውን ፈርቶ ዳውላውን ከምዝብልዎ እዩ። ካውኡ ሓሊፉ እውን ሓንቲ ዓይንኻ ምጥፋእ እዩ።

ብዛዕባ ሓንቲ ዓይኒ ክምለሰሉ እየ፣ አህያውን ፈርቶ ዝበልክዋ እስቲ በታ ናይ ሰበይቲ ሓየት አብነት ነብርሃያ። ወዮ ዓማጺኣስ እንተ ብጉልበቱ ወይ ብምልሓሱ ወይ ብሃፍቱ ካባይ ካብ ሓየት ትርር ዘበለ ኾይኑ ተራእይዋስ፣ እዚ ኹሉ ብሰንክኻ እዩ ኢላ ንሰብኣያ ክትፈትሕ እንድሕር በጺሓ፣ በቃ ሰላም አውሪዳ ማለት ድዩ? ከም ውሽማ ተቀቢላቶ፣ ካባይ ካብ ሰብኣያ ሓየት ሓራ ከምዘውጽኣ ገባሪ ጽቡቅ ክትቅበሎ ድዩ? አብይ አሕመድን ሎሚ ናይታ ሀገር “ስቴት አፓራተስ” ዝተቆጻጸሩ መዳርግቱን ብገበን ከይተሓተቱ፣ አብ ልዕሊ ህወሓት ፋሕጠርጠር ምባል፣ ከምዛ ናይ ሰበይቲ ሓየት ውሽማኻን ገባሪ ጽቡቅካን ገይርካ ንአብይን መዳርግቱን ከም ምቅባል እያ። አብ 1984 ናይ ጆርጅ ኦርዌል መጽሓፍ እንድሕር አንቢብኩም፣ 2 ክድመር 2 ይኸውን 5 ክሳብ ዝብል ቅጥቅጥ አቢሉ ንዘእመኖ ዓማጺኡ፣ “ትኽክል ኢኻ ጎይታዋ” ኢሉ ከምዝተቀበሎ ዊንስተን ስሚዝ ማለት እዩ። ካብ ጌም ኦፍ ትሮን እውን ንጥቀስ ተተባሂሉ፣ ነቲ ጉዳዩ ቆሪጹ ጠቢሱ ንዘብልዖ ገፋዒዑ ጎይታይ ኢሉ ከምዝተቀበሎ ትዮን (ድሕሪ በትሪ ድማ፣ ሪክ) ማለት እዩ። እዚ ዋላ እናመረረና ይኹን እናቅሐረና ክንውሕጦ ዘለና ሓቂ እዩ!!!

 

2) ዓቅምና ብደንቢ ንፍለጥ። ንዓና ከይርድአና ይኽእል ይኸውን፣ አብይ አሕመድን ብልጽግናን ግን ብደንቢ ዝፈልጥዎን ዝፈርሕዎን ሓይሊ፣ ቲዲኤፍ እዩ። ምስ ኦነግ ንልዕሊ ሓደ ዓመት፣ ምስ ፋኖ ንልዕሊ ክልተ ዓመት፣ ይኳሻሕ አሎ። ብድሕሪ ኦነግ ይኹን ብፍላይ ብድሕሪ ፋኖ፣ ሻዕቢያ ከምዝነበረን ከምዘሎን፣ እቲ ዂናት ናይ ፕሮክሲ ከምዝኾነን ብልፅግና አጸቢቁ ይፈልጦ እዩ። ይኹን እምበር፣ ክንዲ ሓምት ዘስግእዎ አይኮኑን። ናብዞም ሓይሊታት እዚኦም ህወሓት ንሓምት ሒዙ እንትጽምበር፣ ፍጻመ ስርዓቱ ከምዝኾነ ብልጽግና አጸቢቁ ይፈልጦ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ጎናጎኒ ምድላዋት ዂናቱ፣ ንህወሓት ዘዳኽም፣ ንህዝቢ ትግራይ ዝኸፋፍል፣ ዝተፈላለዩ ዘመቻታት ከፊቱ ዘሎ። ዓማጺኹምን ቀታሊኹምን ገዲፍኩም፤ አብ ሕወሓት አስናንኹም ክተብልሑ ዝገብረኩም ዘሎ። ንስርዓት ብልጽግና ካብ ውድቀት አድሒንኩምን፣ ካብ ብገበን ተሓታቲነት ነጻ አውጺእኹምን፣ ከም ውሽማ ንኽትቅበልዎ ብዝኸፈተልኩም ናይ ፕሮፓጋንዳ ዂናት አብይ አሕመድ ይዕወት አሎ።

አብዚ ክንጽር ዘለዎ ጉዳይ፣ ምስ ካልኦት ሓይሊታት ዝግበር ፅምዶ እዩ። ትማሊ ንትግራይ ጨፍጭፊካ ንምንብርካኽ፣ ምስ ሻዕቢያን ምልሻ አምሓራን ምሽራኽ ስትራቴጂካሊ ንብልጽግና ትኽክል እንድሕር ነይሩ፣ ሎሚ ንብልጽግና ካብ ፊንፊኔ ምስ ዘይትሓልፍ ስርዓቱ በንቂርካ ንምቅባጽ ምስዞም ሓይሊታት ህወሓት እንተተጻመደ ገበን፣ ሓጥያት ወይክዓ ኢሞራላዊ ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? አብ ፖለቲካ ቋሚ ፈታዊ ወይ ጸላኢ የለን። ረብሓኻ ጥራሕ እዩ ንኹሉ ዲክቴት ዝገብሮ። ይትረፍዶ አንጻር ብልጽግና ንልዕሊ ክልተ ዓመት ክቃለሱ ምስ ዘጸንሑ ሓይሊታት ምጽማድ፣ ዋላ ሓንቲ ጎንጺ ዘይነበሮም እንድሕር ነይሮም እውን ዓሲብካ (ብኽፍሊት ይኹን ብኻሊእ ረብሓ) አብ ጎንኻ ክተሰልፎም እንድሕር ክኢልካ፣ አንፈት ቃልስኻ አይሰሓትካን ማለት እዩ።

ኖ አብይን ብልጽግናን ብገበን አይንሕተቶ፣ ኩሉ ንረስዓዮ፣ ሰራዊትና በቲንና አብ ትሕቲ መግዛእትኡ ንእቶ፣ እንትስሕቅ እናስሓቅና እንትበክይ እናበኸና ብሳንባ አብይ ክንትፍስ፣ ጸጽቡቁ መኪና ክንዝውር፣ ጠጥዑሙ ክንበልዕ፣ ሰላም ይሕሸና፤ ዝብል ሓይሊ እዩ አንፈቱ ስሒቱ ዘሎ። ኸሽዑ አቀዲሙ፣ ባርነት አሜን ኢልካ ክትቅበል ዝጉስጉስ ሓይሊ እዩ አንፈቱ ዝሰሓተ ሓይሊ። ሰራዊት እንትብተን፣ አመራርሓ እንትጠፍእ፣ ሓድነቱ ካብ ብሕጂኡ ዝተዘረገ ህዝቢ፣ ዋላ ሓንቲ ዋሕስ የብሉን። ዋል ሓንቲ! ግበር ዝተብሃሎ ክገብር፣ ኩን ዝተብሃሎ ክኸውን እዩ። 2 እንትድመሮ 2 ይኸውን 5 ኢሉ ክቅበል። ሽምካ ሓየት አይኮነን ዝብኢቀትሪ እዩ እንትብሃል፣ ሓቅኻ ዝብኢቀትሪ እዩ ሹመይ ክብል። ወዮ ካብ ተሓታትነት ተድሕኖ ዘለኻን፣ ከም ውሽማ ክትቅበሎ ፋሕጠርጠር ትብለሉ ዘለኻን ስርዓት፣ ጽባሕ ዝለመዶ በትሪ አልዒሉ እንትቅርሽመካ፣ በትርኻ ናፊቁን ነይሩ ኢልካ ክትውሕጣ ጥራሕ እንተዘይኮኑ፣ ዋላ ሓንቲ ካሊእ መዋጽእቲ የብልካን።

እሺ፣ ንግፍዒ ትግራይ ብህወሓት ነሳብብ፣ ግፍዒ ህዝቢ አምሓራኸ ብመን ይሳበብ? ብፋኖ? ንፋኖ ዝወለዶ እንታይ ኮይኑ? ፋኖ ከም ህወሓት አብ ስልጣን አይነበረ። ተገፋዕኹ ዝበለ ህዝቢ ዶ አይኮነን እዩ ንፋኖ ዝወለዶ። ንፋኖ ረኸብኩ ኢሉ፣ ንኹሉ ዝቅጥቅጥ ስርዓት፣ ጽባሕ ንዓኻ (ድሕሪ ህወሓት ወይ ሓምት) ክምሐረካ ዶ ይመስለካ? ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ፣ ህወሓት ሀለው አይሀለወ፣ ባርነት አይቅበል ዝብል ወለዶ አብ መንጎኻ ምፍራዩ አይተርፍን። ክሳብ ሕጂ ንዝተፈጸሙ ገበናት ፍትሒ ደላይ ወለዶ አብ ውሽጥኻ ይፈርይ እዩ ዘሎ። ጽባሕ ብሰንኩ እውን ምቅጥቃጥካ አይተርፍን ። ክትቅጠቀጥ ኢኻ ድማ። እዚ መሰረታዊ ባህሪ እቲ ስርዓት እዩ። ስልጣን ካብ ኢዱ ክሳብ ዘይወጸእት፣ በኸቢድ ገበን ክሕተት ከምዘይኽእል ስለዝፈልጥ፣ ካብ ተሓታትንት ንምምላጥ ዘለቶ አማራጺ አብ ስልጣን ተጣቢቅካ ምንባር እያ። እታ ወንበር ወይክዓ ሞት! ነዚ ረሲዕና ኣብ “አህያውን ፈርቶ ዳውላውን” ምጽማድና መሕዘኒ እዩ።

 

3) ሎሚ ህወሓት ክምልሶ ዝኽእል መሰረታዊ ምምሕዳራዊ ፀገም ከምዘየለ ምፍላጥ የድሊ። ጊዜያዊ መንግስቲ አሎ፣ ከም ኩነታቱን ንሽርሕታቱ ብዝጠቅመሉ መንገዲ ብልጽግና (ፌደራል) በጀት፣ ድጋፍ፣ መሰረታዊ ግልጋሎት ወዘተ ይህብ። ተደልዩ ድማ ይኸልእ። ሎሚ ህዝቢ ትግራይ ነንባዕሉ ክከፋፈልን፣ አንጻር ሓምት/ህወሓት ክልዓልን ክሳብ ዝሓገዘ፣ አገልግሎት ኢንተርኔት፣ ስልኪ፣ መብራህቲ ወዘተ ትግራዋይ ከም ሀገሩ ተጠቃሚ ክኸውን ተፈቂዱሉ አሎ። ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ዂናት እንተተላዒሉ ግና ደሪቡ ምስ ህወሓት/ሓምት ምእንታን ክጭፍጭፈካ፣ እዘን መሰረታዊ ግልጋሎት አይትረኽበንን ኢኻ። ንሳቶም ንህወሓት የዳኽሙለይ እቲ ምንቅስቃሶም ብሶሻል ሚድያ ይኹን ብኻሊእ መንገዲ ይሰራጮ፣ አነ ፈልዬ ንህወሓት ክቅጥቅጥ እየ፣ ኢሉ እተን መሰረታዊ አገልግሎት ክፍቲ አይገድፈልካን። አጽለሚቱ፣ ዓጽዩ ብሓባር ክምታ ዝለመዳ እዩ ዘንጽተካ።

ሞት ንሞቱ ብሓባር ምቅላስን ናብ ዓወት ምግስጋስን ዶ ይሓይሽ ወይስ ተኸፋፊልካ አብ ዝውላዕ ዂናት ደመከልብ ኮይንካን ተሰኲንካን ምትራፍ? ተጋዳላይ ይኹን ሲቪል፣ አብቲ ቃልሲ እጃም ዝነበሮ ይኹን ዘይነበሮ፣ ሎሚ አብ ኸቢድ ኩነታት ይነብር ምህላዉ ሓቂ እዩ። ነዚ ጸገም ክትፈትሕ ትኽእል ህወሓት ሎሚ የላን። ቁመነኣ አብቲ ደረጃ አይበጸሐን። ቀደም ምኾነ ሪሶርስ ከምድላያ ሞቢላይዝ እትገብር ሓይሊ ስለዝነበረት፣ ብዝተወሰነ ደረጃ ክትፈትሖ ምኽኣለት። ሎሚ ንባዕላ ብቸርኬ ትኸይድ ዘላ ውድብ እያ። እታ ዘላታ ዓቅሚን ጥሪትን፣ ተዋጽእ እያ አብ ትብላ አንፈት ቃልሲ ተውዕላ አላ። ጋምብሊንግ? መይ ቢ። ግን ድማ ኩሉ ኢንቨስትመንት ዳርጋ ቁማር እዩ።

ምኢቲ ፐርሰንት እርግጸኛ እየ መኽሰቢ እዩ እትብሎ ኢንቨስትመንት የለን። ግን ድማ ብዝተፈላለየ መዐቀኒታት መዚንና፣ ዝተፈላልዩ ሴናሪዮታት አነጻጺርና፣ እዚ ይሓይሽ ክንብሎ ንኽእል አንፈት ቃልሲ፣ ሎሚ ህወሓት ትኽተሎ ዘላ አንፈት ቃልሲ እዩ። ቀዳማይ ሓምት (ዓቅሚ ትግራይ) ንብልጽግና ምስ መዳርግቱ (ሻዕቢያ፣ ምልሻታት አምሓራ ኦሮሚያ ዓፋር ወዘተ፣ ድሮናት ዱባይ ወዘተ)  ምስ እቲ ኹሉ ሀፍቲን ልቃሕን እታ ሀገር፣ ምስቲ ኹሉ መሓውር ፕሮፓጋንዳ (ሎሚ አንጻሩ ተሰሊፎም ዘለዉ ሓይሊታት፣ ከሽዓም አርቲስትታት፣ ሰራሕተኛ መንግስቲ ወዘተ)፣ ነዚ ኹሉ ዝመከተ ሓይሊ እዩ (ሓምት!)። ሎሚ ዳርጋ ኹሎም አንጻር ብልጽግና ተሰሊፎም አለዉ። ይትረፍዶ አንጻሩ ተሰሊፎምን፣ ብሓባር ክቃለሱ ምቅርራባት ጀሚሮምን፣ ንሳቶም ዘየለውሉ ንብልጽግና በይንኻ ንምምካት ዝሰንፍ ሓይሊ አይኮነን ሓምት። ብርግጽ ሓድነቱ ዝተዘረገ ደጀንን አመራርሓን ሒዝካ፣ ሓምት ከምቀደም ማዕረ ዓቅሚ አለዎ ኢልካ ክትተኣማመን አይትኽእልን ትኸውን። ግን ድማ ጸላኢኡ ብልጽግና እውን ከም ቀደም ዓቅሚ ዘለዎ አይኮነን። ብኹሉ አንፈት ዝተወጠረ፣ ቃልሲ ዝጸዓቆ፣ ጸለእቱ ዘብዘሐ ስርዓት፣ ብሓይሊ ፕሮፓጋንዳ ጥራሕ ከሰኩነካ እዩ ፋሕጠርጠር ዝብል ዘሎ። ሶ እታ ተዋጽእ ብዝተዋደደ ሓይሊ ብሓባር ምስቶም ካልኦት ተቃሊስካ ነቲ ስርዓት ምቅባጽ እያ።

ባይዘወይ ብልጽግና ንሓምት ክብትን ላሕ ኢሉ ምስ አበዮ፣ ዘቅረቦ ሕቶ አብ ጎነይ ተሰሊፍኩም ነቶም ካልኦት (ፋኖ፣ ኦነግ፣ ሻዕቢያ፣ ወዘተ) ንቀጥቅጥ እዩ ነይሩ። ሓምት ነዚ ነጺጉ፣ አሰላልፋኡ ብተቃራኒ ምግባሩ፣ አርሒቁ ምሕሳቡ ዘመላኽት እዩ። ጽባሕ ምስ ዝጠፍእ አንጻቲኻ ስርዓት ካብ ትዕረቅ፣ ንዘልኣለም ጎረባብትኻ ኾይኖም ምንባር ምስዝቅጽሉ ህዝቢታት ምትዕራቅ ዘላቂ ሰላም የርክብ። ምስ ብልጽግና ተዓሪቅካ ንዘልኣለም ምስ አምሓራን ኤርትራን ተጻሊእኻ ክትነብር እዩ ነይሩ ዕላማ አብይ፣ ክትብቀሎም ክፈቅደልካ፣ ድጋፍን ዲፕሎማሲያዊ ሽፋንን ክህበካ፣ ወዘተ። እዚ እንተዝኸውን ነይሩ፣ መጻኢ ወለዶ ትግራይ ምስ ጎረባብቱ ኸመይ ክነብር ከምዝኽእል ንምግማቱ አይከብድን። ክፍፍል ህወሓት ብጉጅለ ጌታቸው ዓብላልነት እንተዝዛዘም ነይሩ፣ እዚኣ እያ ክትኸውን ነይራ። ሎሚ ብልጽግና አብ ዘቀጻጽሎ ዘሎ ፕሮፓጋንዳ ዂናት ይዋጥዩ ዶ የለዉን? ዝእዝዝዎ ሰራዊት እንተዝህሉ ነይሩ ድማ መዋፈሩ ነይሮም። ጉጅለ ጌታቸው ብዘይ ምስዓሩ ግን፣ ሓምት ካብ ምፍራስ እውን ጸረ ኻልኦት ህዝብታት ካብ ምስላፍ እውን እዩ ተሪፉ።

ህውሓት ንሓምት ሒዛ ብዝተዋደደ ሓይሊ ተቃሊሳ እንድሕር ተዓዊታ፣ ህዝባ ትክሕሰሉ ዕድል ክህሉ እዩ ኢለ ይግምት። ዝበልዕወን ምትፋእ፣ ዝወሰድወን ምምላስ፣ ወዘተ ትኽእለሉ ዓቅሚ እንትህልዋ፣ ንብዓት ህዝባ ሓቢሳ ትኽሕስ ትኸውን። ህዝቢ እውን ሎሚ ክሕንገጦ ጀሚሩ ዘሎ፣ አጥቢቅካ ናይ ምሕታት ወነ፣ ቀጺሉሉ ሕቶታቱ ንክትምልሰሉ ዘገድደሉ ኩነታት ክፍጠር፣ ፍታሕ ክውሃቡሉ ምናልባት እውን ብሓባር ፍታሕ ክእልሹሉ ዝኽእሉ ዕድላት ክፍጠሩ ዝኽእሉ ድሕሪ ዓወት እዩ። ሎሚ አብ መቀጸልታ እቲ ዝሓለፈ ኲናት ዝኾነ ሓያል ውጥረት ኮይንካ ክትምክቶ ትኽእል ጸገም የለን። ኩልና ዘይንክሕዳ ሓንቲ ሓቂ አላ። ንሳ እውን፣ ሎሚ ምስ ህወሓት ዝግበር ጎንጺ፣ ፍሪክሽን፣ ዘይምስናይን ወዘተ፣ ዋላ እኳ ህወሓት ክንዲ ድላያ ዓቅሚ እንተሃለዋ፣ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከተስዕቦ ትኽእል እቲ ዝኸፈአ ሕማቅ ነገር፣ ካብ ዓፈና አይሓልፍን። ህዝቢ ከም ህዝቢ ክነጽት፣ ክበርስ፣ ብአልማሚት ስጉምቲ ክትወስደሉ ትኽእል ዂነታት ክፍጠር ፈጺሙ አይኽእልን። ካብ ውሽጢ እቲ ህዝቢ ዝወጸት ውድብ ከም ምዃና መጠን፣ ናብ ህዝባ ምትኳስ እንትትጅምር፣ ንባዕላ እውን ክትፈርስ እያ። ነንባዕሎም ስለዝታኾሱ። ተተሓሒዝካ ምጥፋእ ስለዝኸውን።

ብአንጻሩ ህወሓት ሃለወ አይሃለወ፣ ምስ ብልጽግና ናብ ውጥጥ እንድሕር አቲኻ፣ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ፈጺሙ ዘይተርፍ እዩ። ሓንሳብ ደፊሩካ፣ ተምጽኦ ነገር ከምዘየለ ዝፈልጥ ሓይሊ፣ ደጊሙ ደጋጊሙ ካብ ምዕማጻ ዝእግዶ ነገር የለን። ዝእግዶ ክሳብ ዘየለ ድማ ዋላ ሓንቲ ዋሕስ የብልካን። ተጋሩ (ሓምት) ብዘይሳተፉሉ ብረታዊ ቃልሲ ብልጽግና ካብ ስልጣን እንድሕር ተወጊዱ እውን እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ተረኛ ካብ ብልጽግና ክሓይሽ ንምኽኣሉ መተኣማመኒ የብልካን። መተኣመመኒኻን ዋሕስካን ዝተወደበ ኩለመዳያዊ ቃልስኻ ጥራሕ እዩ!! ሶ ንቅሕ ደኣ!

ድሕሪ ዓወት ንህወሓት ይኹን ንሓምት ከመይ ናብ ህዝባዊን ዲሞክራሲያዊን ሓይሊ ዋላ አገዲድና ክንቅይር ከምእንኽል ብሰፊሑ ከምዝፅሕፍ ቃል እንዳአተኹ፣ ንሎሚ አብዚኣ ክሰናበተኩም። ፅሑፍ ስለዘንዋሕኹ ይቅርታ፣ ስለዝተኸታተልኩምኒ ድማ የመስግን።

 

ትግራይ ትዕወት!!

 


 

ርኢቶ ብዛዕባ ውሽጣዊ ክፍፍል መረሕቲ ትግራይ

አብ መንጎ ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይን (ግምትን) ህወሓትን ዝግበር ዘሎ ውጥጥ ብዕሊ ካብ አንደበት መረሕቲ ግምት ሰሚዕናዮ አለና። ፖለቲከኛታት ህወሓት ንስልጣን ክንዲ ዘለዎም ህርፍርፎት ቅንዕና ተዝህልዎም፣ ብሰንኮም አብ ህዝቢ ትግራይ ዝበጸሐ እቲ ኹሉ መከራ አይምበጸሐን። ትርጉም ስልጣን ውልቀ ረብሓኻ ምስዳድ ዘይኮነስ ህዝቢ ምግልጋል ምዃኑን፣ ካብዚ ፍልይ ዝበለ አካይዳ ውዒሉ ሓዲሩ መሪር ዋጋ ኸምዘኽፍል እንተዝርድኦም፣ ባህጊ ስልጣን ክንድዚ አይምሀለዎምን። ብሰንኮም ትግራይ ተደጋጋሚ ዋጋ ኸፊላ፣ ንቅድሚት እውን እዚ ዝተርፍ እይመስልን።

ቅድሚ ዂናት ዝነበረ ግዕዝይና፣ ሓደሓዴና ብእዋኑ ተቃዊመናዮ ኢና። ብሰንኮም ትግራይ ዋጋ ኸምትኸፍል ተረዲእና ብዙሕ ኢልና ኢና። ናብኡ አይምለስን። ኣብ እዋን ዂናት እውን እንተኾነ፣ ብመሪር መስዋእትነትን ዕሸላትን፣ ብመስተንክራዊ ገድሊ ሓምትን፣ አብ ዓውዲ ዂናት ዝተረኸበ ዓወት፣ ብሰንኪ ስንኩል ፖለቲካን ምሕደራን ፖለቲከኛታት ህወሓት አሕሊፎም ከምዝህብዎ አቀዲምና አካይዶኦም እናተዓዘብና ነጠንቅቅ ከምዝነበርና እውን ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪ መልሲ ደብረብርሃን፣ ናብ ምጉጅጃልን ናብ ቀደም ግዕዝይኖኦምን ተመሊሶም፣ ካብ ጸለእቱ ንላዕሊ ንህዝቢ ትግራይ ጸር ጸር አቢሎምን ወነ ቃልሱ ስሊቦምን፣ ብቀሊሉ ኢዱ ኽህብ ገይሮሞ እዮም። ሕዚ እውን ሳልሳይ ዙር ጥፍኣት ይፍጽሙ አለዉ።

ኻሊእ ይትረፍ ጥምረት መሬት አስመላሻትን ሻዕቢያን ቀኒዕዎም ንመንግስቲ ኣብይ ገልቢጦም፣ መንበረ ስልጣን ተሒዞም፣ ዕጫ ትግራይ ከም ጋዛ ምድምሳስ ምዃኑ ዝርድኦም ሰባት አይኮኑን። ኣብይ አሕመድ እውን እንተኾነ ቀኒዕዎ ነዚ ጥምረት ቀርሺሙ ስልጣኑ እንድሕር አደላዲሉ፣ ንመረሕቲ ህወሓት ናብ ናይ ምህዳንን ንትግራይ መሊኡ ናብ ናይ ምንብርካኽን ስራሕቱ ኸምዝምለስ ዝተረዶም አይመስልን። ስልጣን ዝህሉ ህዝቢን ሀገርን እንትህሉ እዩ። ነዚ ተረዲኦም እንተወሓደ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነትን ሓድነትን አቀዲሞም፣ ንህዝቦም ውሽጢ ንውሽጢ አብ ክንዲ ዘደራጅዉን ዓቅሙ ዝሃንጹን፣ ነንባዕሉ ክናቆርን ክከፋፈልን ብምግባር ንኻሊእ ጥፍኣት ከዘጋጅውዎ ካብ ምርኣይ ተስፋ ዘቁርጽ ነገር የለን። ይኹን እምበር እዚ ክዕገት ክወስዱ አለዎም ኢለ ዝአምነሎም ስጉምትታት ክጥቁም እየ።

1 ግምት ንኹሉ ዘሳተፈ ሓቋፋይ መሓውር ክህልዎ ይግባእ። ኣብታ እዋን ዂናት ዝነበረት ናይ ሓምት ስብጥር፣ ኣብዚ ግዚያዊ መንግስቲ እውን ተደጊማ ክትረአ አለዎ። ናይ ኹሉ ተሳትፎን ርብርብን ጥራሕ እዩ ንትግራይ ንቅድሚት ዘሰድራ። ህልውናኣ ዘረጋግጸላ። እቲ ግዜያዊ መንግስቲ እውን ህዝባዊ ቅቡልነትን ድጋፍን ክህልዎ፣ ዓርሰ እምነቱ ክጥንክርን ዝኣምነሎም ፖሊሲታት ከተግብርን እዚ ዓብይ አበርክቶ ዝህልዎ ስጉምቲ እዩ።

2 በዚ መንገዲ ዓቅሙን ኮንፊደንሱን ዘማዕበለ ግዜያዊ ምምሕዳር፣ ዓንቀፍቲ እዮም ኢሉ አብ ዝአምነሎም መራሕቲ ህወሓት ሕጋዊ ስጉምቲ (ከም ሀውስ አሬስት ዝአመሰለ ስጉምቲ) ክወስድ ይኽእል። እኹል ህዝባዊ ድጋፍ እንትህልወካ፣ ኸምዚ ዝበሉ ስጉምቲታት፣ ህዝቢ ክኸፋፍሉን ካብ ቁጽጽር ዝወጽእ ናዕቢ ክፈጥሩን አይኽእሉን።

3 ሓምት መሓውሩ ኸይበተነ፣ ውሽጢ ንውሽጢ ንዓርሱ እናጠናኸረ፣ ከምታ አብ እዋን ዂናት ዝነበረት አወቃቅራን አመራርሓን፣ ካብ ፖለቲካዊ ውድባት ተጽዕኖ ነጻ ኾይኑ፣ ህልውና ትግራይን ተጋሩን አቀዲሙ፣ ዋሕስ ህዝቢ ኾይኑ ክቅጽል ይግባእ። እዚ ብፍላይ ነቶም ወታደራዊ አመራርሓ ዝህቡ ዝነበሩ መራሕቲ ዝምልከት እዩ ክኸውን።

4 ዋላኳ ክሳብ ሕጂ ዝነበሮ አካይዳ ብዙሓት ጸገማት ዝነበሮምን ተስፋ ዘቁርጹን እንተነበሩ፣ ህዝቢ ትግራይ ንግምት ዕድል ክህቦን ክድግፎን ይግባእ ዝብል እምነት አለኒ። እናደገፈ ረብሓ ትግራይ ዘረጋግጽ አካይዳ ክኽተል ጽዕንቶ እናሕደረ ንዝተወሰነ ግዜ ዕድል ክህቦ ይግባእ። ማለተይሲ ህወሓት ዳግም ስልጣን ትሕዘሉን ትግራይ ሰላም ትኾነሉን ዕድል ዳርጋ ዜሮ እዩ።

5 ህወሓት ካብ ዜሮ ዝልዓል ዕድል ንኽህልዋ፣ አባላታ ብፍላይ ማእኸላይን ታሕተዋይን አመራርሓ መሓውራታ፣ ንአካይድኦም ኦብጄክቲቭሊ ገምጊሞም፣ ንመረሕቶም ዘይኮነስ ንህዝቦምን ንባዕሎምን ዝጠቅም አካይዳ ክኽተሉ ይግባእ። ብኻሊእ አባህላ ተኣማኒነቶም ካብቲ ውድብ ንላዕሊ ንህዝቢ ትግራይ ክገብሩ ይግባእ። ሎሚ ብዛዕባ ህወሓት ዘለኒ አመለኻኽታ ቅድሚ ካብ ፊንፊኔ ምስጓጓ ካብ ዝነበረኒ አመለኻኽታ ዝተፈለየ አይኮነን። አይተቀየርኩን። ንውድቀት ትግራይ ካብ ህወሓት ንላዕሊ ዝሰርሕ ውድብ የለን ኢለ እየ ሎሚ እውን ዝኣምን። ኾይኑ ግን ከም ውድብ ክትጠፍእ ዘይኮነስ፣ ክትምሓየሽን፣ ብዝሓሸ መሓውርን አመራርሓን ዓቅማ አጠናኺራ አብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወጻኢን ብሉጽ ፖለቲካዊ ጽልዋ ክህልዋ እየ ዝምነ። ብስራሕ እምበር ብትምኒት ዝኸውን ነገር የለን። ነዚ ድማ ካብ መረሕታ ንላዕሊ አባላታ ሓላፊነት አለኩም።

ጸበባን ቃልሲን ህዝቢ ትግራይ ከመይ ነሕጽሮ?

“ትግራይ ዓደይ በጃኺ ‘ባ
ይአኽለኪ እቲ ጸበባ
ትንሳኤኺ አግህድዮ አብ ቀረባ!”

ጥዕምቲ ደርፊ!

ኮይኑ ግና እቲ ወሳኒ ሕቶ ቃልሲና አሕጺርና ትንሳኤ ትግራይ ከመይ ነግህዶ አብ ቀረባ? እዩ !

ብወገነይ አብ 3 ነጥቢታት ዘተኮረ ቪድዮ ሰሪሐ አለኹ። ብዛዕባ አቀራርባኡ፣ አጠቃቅማ ቋንቋን፣ ገለን ብዙሕ ከይተገደስኩም፣ ትኹረትኩም አብቲ መልእኽቲ እንድሕር ገይርኩም፣ እርግጸኛ እዬ ከምትፈትውዎ። እቲ ዝቀረበ ሓሳብ በቢዘለኹሙሉ ከምትዝራረቡሉን፣ ካልኦት እውን ብተመሳሳሊ ንኽዝትይሉ ሼር ብምግባር ከምትዕድሙዎም እውን ይተአማመን።

አብቲ ቪድዮ ዝተሓላለፉ ብዙሓት መልእኽቲታት እንድዮም፣ እቶም ዓበይቲ ጽሙቅ አቢለ አብዚ ከቅርቦም እዬ። ምእንታን ብደንቢ ትኹረት ክትህቡሉ ብዙሕ ግዜ ዝተደጋገመ አቀራርባ አሎ።

ናብተን 3 መዛተይ ነጥቢታት ንስገር!

1. ሻዕቢያ ብዘይምንም ቅድመኹነት ካብ መሬትና ይውጻእ!

ትኹረትና ዓለም ለኸ ሕጊ ጥሒሱ ንሓንቲ ሉአላዊት ሀገር ብምውራር (ተዓዲሙ ይኹን ዘይተዓደመ በዘየገድስ) ህዝብና ዝጭፍጭፍን ዘበሻቅጥን ዘሎ ሰራዊት ሻዕቢያ ብቁልጡፍ ክወጽእ ብኹሎም ዘለዉና መማረጺ መንገዲታት ብጽዑቅ አብ ምዳምጽ ንግበር። ምድሪ ዕንጽራር ክንገብራ አለና። አብ ማሕበራዊ ሚድያ፣ አብ ካልኦት ሚድያታት (ቲቪ፣ ራድዮ፣ ጋዜጣ፣ ኢንተርኔት ዜናታት ወዘተ) ቅድም ቀዳድም ትኹረት ዓለም ክህቦ ዘለዎ፣ ሰራዊት ኤርትራ ዓድና ወሪሩ ምእታዉ ካብ ዝፍለጥ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ገይሩ እንዳሀለወ፣ ዓለም ምንም ከይገበረ ክሳብ ሕጂ ምጽናሑ አዝዩ የተሓሳስበና ከምዘሎ አጺዕቅና ወፍሪ ክንገብር ይግባእ። ዲፕሎማሲያዊ ስራሕትና፣ ናይ ሚድያ ስራሕና፣ ናይ ሶሻል ሚድያ ወፍሪታትና ኩሎም ትኹረት ሰራዊት ኢሳያስ ካብ መሬታ ትግራይ ንኽወጹ አብ ምድማጽ ክኸውን አለዎ!! ክሳብ ሕጂ ምንም ከይተገበረ ምጽናሑ ንባዕሎ ብናትና ድኽመት ምዃኑ አሚንናን ተቀቢልናን ድሕሪ ሕጂ ብደንብ ክንሰርሓሉ ይግባእ። ንምንታይ?

  1. እቲ ሰራዊት ካብ መሬትና እንትወጽእ፣ መንገዲ ንምኽፋት፣ ኔትዎርክ ንምምላስ፣ አገልግሎታት ንምጅማር፣ ገበን ዘጻርዩ ገለልተኛ ኮሚቴታት ንምውፋር ቀሊል ይኸውን።
  2. እቲ ሰራዊት ብቁልጡፍ እንድሕር አይወጽእን ኢሉ፣ ዓለም (ሴኲሪት ካውንስል) ጸጥታ አኽበርቲ ሰራዊታት አዝሚቱ ንሻዕቢያ አብ መረባኡ ከይዱ ክቅጥቅጦ ይኽእል እዩ። እዚ ተኾይኑ ድማ እቲ ኲናት አውት ሶርስ ጌርና አብ አፍደጊኡ ንወስደሉ አለና ማለት እዩ። እምብለይ ኢሉ፣ ንትግራይ ምሕራድ እንድሕር ቀጺሉ፣ ክሳብ ናብ አስመራ ኽይዶም በቦምቢ ምድብዳብ ስጉምቲ ክወስዱሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ተኾይኑ ድማ እቶም ሓረድቲ አራዊቱ ካብ መሬት ትግራይ እንተይወጹ እታ ዂናት ክትዛዘም እያ ማለት እዩ። ካብኡ ናይ ኢዶም ንህቦም።
  3. ሻዕቢያ እንትወጽእን መንገዲታት እንትኽፈቱን፣ ምስቶም ዝተረፉ ናትና ነውረኛታት ዘለና ጸገም ንምፍታሕ ቀሊል ይኸውን።

ሻዕቢያ አብ መሬት ትግራይ ክሳብ ዝሀለወ ግን ገበናቱ አጠናኺሩ ስለዝቅጽል፣ መንገዲ ክኽፈት እዩ ኢልካ ይኹን ኔትዎርክ ክምለስ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ፈጺሙ ዘይከአል እዩ። “መንግስቲ ኢትዮጵያ” ይኹን እቲ መከላከያ ሰራዊት ውጽኡልና ተበሉ እውን ሻዕቢያ አብ ዘይሰምዐሉ ደረጃ በጺሑስ ትማሊን ብቅድሚ ትማሊን አብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክታኾሱ ምውዓሎም ሰሚዕና ኢና።

2 ዝተዋደደን ዝተማእኸል ሓገዝ ናይ ምእካብ ስራሕ ብዝምልከት

ናይ ገንዘብ ይኹን ናይ ካልኦት ሓገዛት ምትእኽኻብ ከም ደጀን ካባና ዝጽበ ስራሕ እዩ። ኾይኑ ግና ብዝተዋደደን ብዝተማእኸለን አሰራርሓን እንተፈጺምናዮ እምበር ኩሉ በብዝመሰሎ ጎፈንድሚን ገለን እንዳከፈተ ዝገብሮ ጎስጓስ እንድሕር ኮይኑ ብብዙሕ መልክዑ ንህዝቢ ትግራይን ቃልሱን ዝጎድእ እዩ። ቀዳማይ ነገር ናበይ ይኺድ ናብይ ዘይንፈልጦ ንእሽተይ ገንዘብ ስለዘዋጻእና ጥራሕ ቁምነገር ዝሰራሕና መሲሉና ትርጉም ካብ ዘለዎ ምንቅስቃሳት ዘዘናግዕ እዩ። ኻልአይ እቲ ብቱን አካይዳ ንብኽነት ሪሶርስ ዘቃልዕን፣ ካብ ጥቅሙ ጉድአቱ ዝበልጽን እዩ። ከም ተጋሩ ካብዚ ዝሓሸ አሰራርሓ ክንዝርግሕ አለና። ብኽነት ዝቅንስ፣ ግልጽነት ዘለዎ፣ ንቃልስናን ንመጻኢ ዕድላትናን ብዝጠቅም መንገዲ ከመይ ክነዋድዶ ከምእንኽል ከም በዓል ሞያ ምጣነ ሀብቲን ንእሽተይ ናይ ዳታ ሳይንስ ክእለት ዘለዎ ሰብን ዝመስለኒ ሓሳብ አቅሪበ አለኹ። አብ ዝቅጽል ብጽሑፍ ብደንቢ ገይረ ከቅርቦ እየ። ብዛዕባ እቲ ዝቀረበ ሓሳብ ብዝርዝር ክዘራረብ ምስ ዝደልይ ሰብ ንምዝርራብ ድልዉን ፈቃደኛን ምዃነይ አቀዲመ ክገልጽ ይፈቱ።

3. ዝፍጠሩ ዘለዉ ዕድላት ከመይ ንጠቀመሎም?

እዚ ብጣዕሚ ወሳኒ ሕቶ እዩ። ካፒቴን ኩን፣ ሹፌር ዋላ ፓይለት፣ ካብ ሓደ ቦታ ተበጊስካ ናብ ካሊእ ቦታ ክትጓዓዝ ከለኻ፣ አብ መንገድኻ ብዙሕ ዘይተጸበኻዮ ነገራት የጋጥሙኻ እዮም። ማዕበል፣ ውሕጅ ወይ ንፋስ ክፍጠር ይኽእል፣ አብዝሓሰብካዮ እንተደአ ክትበጽሕ ኮይንካ፣ ነቶም ከይተጸበኻዮም ዝፍጠሩ ኹነታት አብ ግምት እንዳእተኻ መንገድኻ ክተዕሪ ግድን እዩ። እዚ ንምግባር ብቀዳምነት እቶም ዝፍጠሩ ዘለዉ ዂነታት አነጺርካ ምፍላጥ የድልይ። ብምቅጻል እንታይ ዓይነት ግብረምላሽ የድልዮም፣ ብኸመይ መንገዲ የስተናግዶም ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት አብ ከይዲ ቃልሲ እንደሀለኻ ብቅልጡፍ ክትምልሶም ዝግብኡ እዮም። ተዘይኮይኑ እቲ ዕድል ከምልጠካ እዩ። አንጻርካ ዝኾኑ ሓደሽቲ ኹነታት እውን ክፈጥር ይኽእል እዩ። እዚ ንኸይትዕወት፣ ቃልስኻን መስዋእትኻን በዘይአግባብ ክነውሕን ክበዝሕን ይገብር።

ብዛዕባ እዘን ሰለስተ ነጥቢታት ዝርዝር አቢለ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ተዛሪበ አለኹ። ብፍላይ ዓብይ ትኹረት ዝሀብኩላ እታ ቀዳመይቲ ነጥቢ እያ። ንሳ ድማ ወሳኒት ምዃን ፈጺምኩም ክትጠራጠሩ ከምዘይትኽእሉ ገይረ ብዝተፈላለየ መንገድን አብነታትን መብርሂ ሂበላ አለኹ።

ስምዕዋ! ሰሚዕኹም ሼር ግበርዋ።

ቃልስና ክሓጽር እዩ። ዓወትና ናይ ግድን እዩ!!

ቃልሲ መሰል ዓርሰ-ውሳነ አብ ኢትዮጵያ

እቲ ኣብ ትግራይ ናብ ኲናት ዘምርሐ ፖለቲካዊ ውጥረት፣ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ብጭቡጥ ንምርግጋጽ ካብ ዘኽእል አረዳድአን ሞገተን ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ዝብገስ እዩ፣ ክብል ክኢላን ተንታኒን ፖለቲካ ቀርኒ አፍሪካ ኣሌክስ ዴ ቫል ገሊጹ

አብቲ ጽሑፍ ብአሌክስ ዝቀረቡ ሓሳባት፣ ንትግርኛ ተዓደምቲ፣ ከምዝስዕብ ጸሙቅና ጠሚርናዮም አለና።

ኢትዮጵያውያን ንዓርሰ-ውሳነኦም ብኹሉ ገጽ ይቃለሱ ኣለዉ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ኣዋርሕ ውሽጢ፣ ኣብ ትግራይ ቃልሲ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ናብ ዂናት ከምዘምረሐ፤ ኣብ ኦሮሞያ፣ ቤኒሻንጉል-ጉሙዝን ካልኦት ክልላትን ድማ ቃልሲ መሰል ዓርሰ-ምሕደራ ብዝተፈላለዬ መልክዕ እናተጋህደ ከምዝመጸ ይሕብር።

እዚ ጎንጺ እዚ ብኸመይ ክፍታሕ ከምዝኽእል ንምርዳእ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ፣ መበገሲኡ እንታይ ከምዝኾነ ግና ክንዓሞ ንኽእል ኢና።

አብ ኢትዮጵያ ዝርአዩ ጎንጽታት ብሓፈሻ፣ ልክዕ ኣብ ካልኦት ሀገራት ከምዘጋጥሙ ቅልውላዋት፣ ኣብ ዙሪያ ‘ናይ መንነት ፖለቲካ’፣ ‘ሕገ መንግስታዊ ስርዓት’ን ‘ሞዴላት ምሕደራ’ን ዘጠንጥን እዩ። ይኹን እምበር እቲ ናይ ኢትዮጵያ ጕዳይ ፍልይ ዘበሎ፣ ቃልሲ መሰል ዓርሰ-ውሳነን ዓርሰ-ምሕደራን እውን ዘካተተ ምዃኑ እዩ። እዚ መሰል እዚ ድማ መሰረታዊን ዘየላጢን መሰል እዩ። ብተወሳኺ ድማ አብ መንጎ ፖለቲከኛታት ዘሎ አፈላላይ ብፍጹም ተጻባኢነት ዝግለጽ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ተሳኒኻ ይኹን ተጻዊርካ ብሓባር ፍታሕ ናይ ምምጻእ ዓቅምን ባህልን ስለዘየለ እዩ።

ካብ 1960ታት ኣትሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ መብዛሕትኡ ግዜ ብተመሳሳሊ ኣገባብ፣ ብሓይሊ ብረት እዩ ክፍታሕ ጸኒሑ። ሕድሕድ ወገን ነቲ ናቱ ኣረኣእያ ጥራሕ ቅኑዕ ኢሉ ይወስድ፣ ነቶም ዝብድሆም ድማ ዘይሕጋውያን እዮም ኢሉ ይፍርጅ። አብ ርእሲኡ ቀንዲ ዕዮ መንግስቲ ህውከትን ሀወኽቲን ምውጋድ ምዃኑ እዮ ዝአምን። ተጸዋራይነት ዝብሀል ነገር የለን።

ንአብነት ሎሚ አብይ ካብ ዘቅረቦ መደመር ዝብል ሓሳብ ወጻእ ዘሎ አታሓሳስባ ንጥቅዓት ዘቃልዕ እዩ። መደመር ብዓይኒ ጭፍራታት አብይ፣ ዝተፈለየ ሓሳብ ንዘለዎም ሰባት መጸጸይን መቅጽዒን ኮይኑ ዘገልግል መሳርሒ እዩ።

In the hands of some of Abiy’s disciples Medemer has become a tool of excommunicating dissenters from the political community.

አብ ኸምዚ ዓይነት ኩነታት ፖለቲካ ዓርሰ-ምሕደራ አዝዩ ተባራዒ እዩ ክኸውን። አብ ትግራይ ዂናት ንኽውላዕ ከም ክርቢትን ነዳዲን ኮይኑ አገልጊሉ እዩ። አብ ካልኦት ከባቢታት እውን ብተመሳሳሊ ጎንጽታት የራብሕ አሎ።

መሰል ዓርሰውሳነ ብሕጊ ጥራሕ ክውሰን ዝኽእል ከም ዘይኮነ ምርዳእ አድላይ እዩ። ቅቡልነት ዓርሰ ምሕደራ ብፖለቲካዊ መስርሓት እዩ ዝርከብ። ፖለቲካዊ መስርሓት ክንብል ከለና ብምይይጥን ብክርክርን ማለትና እዩ። ኣብ ዝተሓላለኸ ሕብረተሰብ፣ ከምዚ ንዝኣመሰለ ሱር-በተኽ (radical) አፈላላይን ዘይምስምዕማዕን ክፍታሕ ዝኽእል ብምዝርራብ ጥራሕ እዩ። እቲ ካልአይ መማረጺ ድማ ኢትዮጵያውያን ሎሚ አጸቢቆም ከምዝፈልጥዎ ጦርነት እዩ።

ሓደ ናይቲ ዂናት ሳዕቤን ተጋሩ ብዛዕባ ኢትዮጵያዊ መንነት ዘለዎም ናይ ሓባር ርድኢት ምጉሕጓሕ እዩ።

ኩሎም ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ጸብጻባት ከምዘመላኽትዎ፣ መንግስቲ ንተጋሩ ዘርእዬ ዘሎ ንጽገት፣ ተመጣጣኒን ዓጸፋዊን ምላሽ ብተጋሩ ይወሀቦ ከምዘሎ እዩ፤ ሎሚ ትግራዋይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝድለ ሰብ ኾይኑ ኣይስምዖን። እቲ ‘ኢትዮጵያዊ’ ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ብመንነትን ኣጀንዳታትን አምሓራ ጥራሕ ዝልለይ፣ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝወድቅ ዘሎ አተሓሳስባ ይኸውን አሎ። ተጋሩ ንዓርሶም ካብ ኢትዮጵያዊነት እንተደአ ነጺሎም፡ ካልኦት እውን ክስዕቡ ይኽእሉ እዮም።

All reports from Ethiopia show that the government’s rejection of Tigrayans is being reciprocated: Tigrayans no longer feel they are wanted in Ethiopia. The notion ‘Ethiopian’ is in grave danger of reverting to being identified solely with an Amhara identity and agenda. If the Tigrayans remove themselves from the Ethiopian conversation, others may follow.

ኢትዮጵያውያን ብሓባር ሀገሮም ጠርኒፎም ኽሕዝዋ እንተደአ ዝደልዩ ኾይኖም፣ ዓብዪ ናይ ምክብባር ክእለት፡ ትብዓትን ኣመራርሓ ጥበብን ከድልዮም እዩ። ክሳብ ሽዑ ግና እቲ ሎሚ ዝግበር ዘሎ ውግእ፣ መሰል ዓርሰ ምሕደራ ብኹለመዳያዊ ቃልሲ ክረጋገጽ አለዎ ዝብል ርትዓዊ ኣተሓሳስባ የንጸባርቅ እዩ ዘሎ። እቲ ምይይጥ ምስተቛረጸ ዝጀመረ ምስሕሓብ፡ ፍጻመ ሀለዋት እታ ሀገር ናብ ዘብቅዐሉ ሓያል ቅልውላው የምርሕ አሎ።

 

ሰ.ነ

ውዕሎ ሱዳን፣ ግብጺን ኢትዮጵያን ውጽኢት አልቦ ኮይኑ ተዛዚሙ

ውዕሎ ሱዳን፣ ግብጺን ኢትዮጵያን ውጽኢት አልቦ ኮይኑ ተዛዚሙ አሎ።

ካብዝተፈላለያ ሚድያታት ብኢንግሊዝኛ ዝተጠመረት ነዛ ዜና አንብቢኩም ስርሒት ሱዳን ታይ ከምዝኾነ አስተውዕሉላ።

ኢትዮጵያ ብሶኒ አብ ዘዳለወቶን ብውድብ ሕቡራት አፍሪካ (AU) ዝተዋደደን ዋዕላ ሚንስቴራትን በዓል ሞያታትን አይሳተፍን ኢላ ዓንቂፋ ጸኒሓስ፣ ትማሊ ብውልቀ ምስ ኤዩ ተራኺባ ዘትያ። “ብሉጽ ግደ ክትጻወቲ አለኪ፣ ሙሉእ መፍትሒ ካባኺ ኢና ንጽበ” ዝብል ሓሳብ እያ ሒዛ ቀሪባ ነይራ።

አብ ናይ ሎማዓንቲ ልዝብ በዚ ሓሳብ ኢትዮጵያ ትኹን ዋላ ግብጺ ክስማዕምዓ ከምዘይኽእላ ሱዳን አጸቢቃ ትፈልጥ እያ። ምኽንያቱ ወሰንቲን ወነንቲን እቲ ሀፍቲ ማይ ንሕና እምበር ካሊእ ስለዘይኾነ ካልኦት ዘምጽእዎ መፍትሒ አይንቅበልን ከምዝብላ ፍሉጥ እዩ። ዳርጋ ሉአላዊነትካ ገፊፍካ ምሀብ እዩ። ብፍላይ ንኢትዮጵያ ድማ ትማሊ ምስ አሜሪካን ዓለም ባንክን ዝተፈጸመ ስሕተት ምድጋም ክኸውን እዩ።

ክልትኤን ሀገራት እዚ ዘይሕሰብ እዩ ምስበላ ድማ፣ ሱዳን ትርጉም አብ ዘይብሉ ዋዕላታት ሸኾርተት እንዳበልኩ ናይ ምንባር ዓቅሊ የብለይን ዝብል ጥንክር ዝበለ ቅዋም አንጸባሪቃ አላ። ውጻእ አይትበሎ ከምዝወጽእ ግበሮ ድዩ ዝብሀል?

ጸወታ ሱዳን ብሓጺሩ ክንግምገም ከለና “እቲ ተፈጢሩ ዘሎ አጋጣሚ ምጥቃም ይሕሸኒ፣ ክጽቀጥ እየ” ማለታ ይመስል።

ዋዕላ ሱዳን፣ ግብጺን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ

ጽባሕ ሰንበት (10.01.2001 GC) ሱዳን፣ ግብጺን ኢትዮጵያን ህዳሴ ግድብ አመልኪተን ክዝትያ እዬን።

አብዚ ሰሙን ሱዳን ብዝተፈላለየ መንገዲ ጠንካራ ቅዋማ ክትገልጽ ጸኒሓ እላ።

በሶኒ ናይ ሰለስቲአን ሀገራት ሚንስትራት ሀፍቲ ማይን ቴክኒካል መራሕትን ክመያየጡ ብውድብ ሕቡራት አፍሪካ (ኤዩ) አብ ዝተዳለወ መድረኽ፣ “ኤዩ ብቅጥዒ ናይ ምምራሕ ዓቅሚ ስለዘይብሉ፣ አብቲ መድረኽ አይሳተፍን” ኢላ ነጺጋቶ ነይራ።

ጎን ንጎኒ ድማ ብጉልበት አብ ዝተቆጻጸረቶ መሬት አልፋሽቃ አራጢጣ ኮፍ ኢላ፣ “ዶብና ንጠርረሉ እዋን ሕዚ እዩ” እንዳበለት ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቅጢ ክትገብር ቀንያ አላ።

ኤርትራ አብ ዘየእታው አትያ ንሱዳን ክትወግእ ከምዝጸነሐት ንማሕበረሰብ ዓለም ፍለጡለይ ክትብል አውን ቀንያ አላ።

በዚ ዝተለዓለ ሻዕቢያ ብአደባባይ ፈኸረ ካብ ምስማዕ ሓሊፉ ሰራዊቱ አጓዓዒዙ ቦታ-ቦታ ከምዘትሐዘን፣ አብ ዝኾነ እዋን አድላይ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእልን አፍሊጡ አሎ።

ካብኡ ሓሊፉ ሻዕቢያ “ምስ ግብጺ ሸሪኾም ህዳሴ ግድብ ተሀኒጹ ከይውዳእ ዕንቅፋት ንዝኾኑ ዘለዉ ሓይሊታት ምስ ኢትዮጵያ ብምሕባር ስጉምቲ ክንወስደሉ ኢና” ብምባል አሰላልፋኡ አንጻር ግብጺ ምዃኑ ብዕሊ ገሊጹ አሎ።

ግብጺ፣ ሱዳንን ፈተውተን አዕራብ ሀገራትን ብሓደ ገጽ፤ ኤርትራ፣ ኢዮጵያን ኢመሬትን ብኻሊእ ገጽ ናብ ሓያል ኲናት የምርሓ ከምዘለዋ ካብ ዝተፈላለዩ ዜናታት ንምረዳእ ተኻኢሉ አሎ።

ሰለስቲአን ሀገራት ጽባሕ ዝገብርኦ ድርድር ነቲ ዘሎ ውጥረት ከየፈንድኦ ተሰጊኡ አሎ።