ጸበባን ቃልሲን ህዝቢ ትግራይ ከመይ ነሕጽሮ?

“ትግራይ ዓደይ በጃኺ ‘ባ
ይአኽለኪ እቲ ጸበባ
ትንሳኤኺ አግህድዮ አብ ቀረባ!”

ጥዕምቲ ደርፊ!

ኮይኑ ግና እቲ ወሳኒ ሕቶ ቃልሲና አሕጺርና ትንሳኤ ትግራይ ከመይ ነግህዶ አብ ቀረባ? እዩ !

ብወገነይ አብ 3 ነጥቢታት ዘተኮረ ቪድዮ ሰሪሐ አለኹ። ብዛዕባ አቀራርባኡ፣ አጠቃቅማ ቋንቋን፣ ገለን ብዙሕ ከይተገደስኩም፣ ትኹረትኩም አብቲ መልእኽቲ እንድሕር ገይርኩም፣ እርግጸኛ እዬ ከምትፈትውዎ። እቲ ዝቀረበ ሓሳብ በቢዘለኹሙሉ ከምትዝራረቡሉን፣ ካልኦት እውን ብተመሳሳሊ ንኽዝትይሉ ሼር ብምግባር ከምትዕድሙዎም እውን ይተአማመን።

አብቲ ቪድዮ ዝተሓላለፉ ብዙሓት መልእኽቲታት እንድዮም፣ እቶም ዓበይቲ ጽሙቅ አቢለ አብዚ ከቅርቦም እዬ። ምእንታን ብደንቢ ትኹረት ክትህቡሉ ብዙሕ ግዜ ዝተደጋገመ አቀራርባ አሎ።

ናብተን 3 መዛተይ ነጥቢታት ንስገር!

1. ሻዕቢያ ብዘይምንም ቅድመኹነት ካብ መሬትና ይውጻእ!

ትኹረትና ዓለም ለኸ ሕጊ ጥሒሱ ንሓንቲ ሉአላዊት ሀገር ብምውራር (ተዓዲሙ ይኹን ዘይተዓደመ በዘየገድስ) ህዝብና ዝጭፍጭፍን ዘበሻቅጥን ዘሎ ሰራዊት ሻዕቢያ ብቁልጡፍ ክወጽእ ብኹሎም ዘለዉና መማረጺ መንገዲታት ብጽዑቅ አብ ምዳምጽ ንግበር። ምድሪ ዕንጽራር ክንገብራ አለና። አብ ማሕበራዊ ሚድያ፣ አብ ካልኦት ሚድያታት (ቲቪ፣ ራድዮ፣ ጋዜጣ፣ ኢንተርኔት ዜናታት ወዘተ) ቅድም ቀዳድም ትኹረት ዓለም ክህቦ ዘለዎ፣ ሰራዊት ኤርትራ ዓድና ወሪሩ ምእታዉ ካብ ዝፍለጥ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ገይሩ እንዳሀለወ፣ ዓለም ምንም ከይገበረ ክሳብ ሕጂ ምጽናሑ አዝዩ የተሓሳስበና ከምዘሎ አጺዕቅና ወፍሪ ክንገብር ይግባእ። ዲፕሎማሲያዊ ስራሕትና፣ ናይ ሚድያ ስራሕና፣ ናይ ሶሻል ሚድያ ወፍሪታትና ኩሎም ትኹረት ሰራዊት ኢሳያስ ካብ መሬታ ትግራይ ንኽወጹ አብ ምድማጽ ክኸውን አለዎ!! ክሳብ ሕጂ ምንም ከይተገበረ ምጽናሑ ንባዕሎ ብናትና ድኽመት ምዃኑ አሚንናን ተቀቢልናን ድሕሪ ሕጂ ብደንብ ክንሰርሓሉ ይግባእ። ንምንታይ?

  1. እቲ ሰራዊት ካብ መሬትና እንትወጽእ፣ መንገዲ ንምኽፋት፣ ኔትዎርክ ንምምላስ፣ አገልግሎታት ንምጅማር፣ ገበን ዘጻርዩ ገለልተኛ ኮሚቴታት ንምውፋር ቀሊል ይኸውን።
  2. እቲ ሰራዊት ብቁልጡፍ እንድሕር አይወጽእን ኢሉ፣ ዓለም (ሴኲሪት ካውንስል) ጸጥታ አኽበርቲ ሰራዊታት አዝሚቱ ንሻዕቢያ አብ መረባኡ ከይዱ ክቅጥቅጦ ይኽእል እዩ። እዚ ተኾይኑ ድማ እቲ ኲናት አውት ሶርስ ጌርና አብ አፍደጊኡ ንወስደሉ አለና ማለት እዩ። እምብለይ ኢሉ፣ ንትግራይ ምሕራድ እንድሕር ቀጺሉ፣ ክሳብ ናብ አስመራ ኽይዶም በቦምቢ ምድብዳብ ስጉምቲ ክወስዱሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ተኾይኑ ድማ እቶም ሓረድቲ አራዊቱ ካብ መሬት ትግራይ እንተይወጹ እታ ዂናት ክትዛዘም እያ ማለት እዩ። ካብኡ ናይ ኢዶም ንህቦም።
  3. ሻዕቢያ እንትወጽእን መንገዲታት እንትኽፈቱን፣ ምስቶም ዝተረፉ ናትና ነውረኛታት ዘለና ጸገም ንምፍታሕ ቀሊል ይኸውን።

ሻዕቢያ አብ መሬት ትግራይ ክሳብ ዝሀለወ ግን ገበናቱ አጠናኺሩ ስለዝቅጽል፣ መንገዲ ክኽፈት እዩ ኢልካ ይኹን ኔትዎርክ ክምለስ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ፈጺሙ ዘይከአል እዩ። “መንግስቲ ኢትዮጵያ” ይኹን እቲ መከላከያ ሰራዊት ውጽኡልና ተበሉ እውን ሻዕቢያ አብ ዘይሰምዐሉ ደረጃ በጺሑስ ትማሊን ብቅድሚ ትማሊን አብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክታኾሱ ምውዓሎም ሰሚዕና ኢና።

2 ዝተዋደደን ዝተማእኸል ሓገዝ ናይ ምእካብ ስራሕ ብዝምልከት

ናይ ገንዘብ ይኹን ናይ ካልኦት ሓገዛት ምትእኽኻብ ከም ደጀን ካባና ዝጽበ ስራሕ እዩ። ኾይኑ ግና ብዝተዋደደን ብዝተማእኸለን አሰራርሓን እንተፈጺምናዮ እምበር ኩሉ በብዝመሰሎ ጎፈንድሚን ገለን እንዳከፈተ ዝገብሮ ጎስጓስ እንድሕር ኮይኑ ብብዙሕ መልክዑ ንህዝቢ ትግራይን ቃልሱን ዝጎድእ እዩ። ቀዳማይ ነገር ናበይ ይኺድ ናብይ ዘይንፈልጦ ንእሽተይ ገንዘብ ስለዘዋጻእና ጥራሕ ቁምነገር ዝሰራሕና መሲሉና ትርጉም ካብ ዘለዎ ምንቅስቃሳት ዘዘናግዕ እዩ። ኻልአይ እቲ ብቱን አካይዳ ንብኽነት ሪሶርስ ዘቃልዕን፣ ካብ ጥቅሙ ጉድአቱ ዝበልጽን እዩ። ከም ተጋሩ ካብዚ ዝሓሸ አሰራርሓ ክንዝርግሕ አለና። ብኽነት ዝቅንስ፣ ግልጽነት ዘለዎ፣ ንቃልስናን ንመጻኢ ዕድላትናን ብዝጠቅም መንገዲ ከመይ ክነዋድዶ ከምእንኽል ከም በዓል ሞያ ምጣነ ሀብቲን ንእሽተይ ናይ ዳታ ሳይንስ ክእለት ዘለዎ ሰብን ዝመስለኒ ሓሳብ አቅሪበ አለኹ። አብ ዝቅጽል ብጽሑፍ ብደንቢ ገይረ ከቅርቦ እየ። ብዛዕባ እቲ ዝቀረበ ሓሳብ ብዝርዝር ክዘራረብ ምስ ዝደልይ ሰብ ንምዝርራብ ድልዉን ፈቃደኛን ምዃነይ አቀዲመ ክገልጽ ይፈቱ።

3. ዝፍጠሩ ዘለዉ ዕድላት ከመይ ንጠቀመሎም?

እዚ ብጣዕሚ ወሳኒ ሕቶ እዩ። ካፒቴን ኩን፣ ሹፌር ዋላ ፓይለት፣ ካብ ሓደ ቦታ ተበጊስካ ናብ ካሊእ ቦታ ክትጓዓዝ ከለኻ፣ አብ መንገድኻ ብዙሕ ዘይተጸበኻዮ ነገራት የጋጥሙኻ እዮም። ማዕበል፣ ውሕጅ ወይ ንፋስ ክፍጠር ይኽእል፣ አብዝሓሰብካዮ እንተደአ ክትበጽሕ ኮይንካ፣ ነቶም ከይተጸበኻዮም ዝፍጠሩ ኹነታት አብ ግምት እንዳእተኻ መንገድኻ ክተዕሪ ግድን እዩ። እዚ ንምግባር ብቀዳምነት እቶም ዝፍጠሩ ዘለዉ ዂነታት አነጺርካ ምፍላጥ የድልይ። ብምቅጻል እንታይ ዓይነት ግብረምላሽ የድልዮም፣ ብኸመይ መንገዲ የስተናግዶም ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት አብ ከይዲ ቃልሲ እንደሀለኻ ብቅልጡፍ ክትምልሶም ዝግብኡ እዮም። ተዘይኮይኑ እቲ ዕድል ከምልጠካ እዩ። አንጻርካ ዝኾኑ ሓደሽቲ ኹነታት እውን ክፈጥር ይኽእል እዩ። እዚ ንኸይትዕወት፣ ቃልስኻን መስዋእትኻን በዘይአግባብ ክነውሕን ክበዝሕን ይገብር።

ብዛዕባ እዘን ሰለስተ ነጥቢታት ዝርዝር አቢለ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ተዛሪበ አለኹ። ብፍላይ ዓብይ ትኹረት ዝሀብኩላ እታ ቀዳመይቲ ነጥቢ እያ። ንሳ ድማ ወሳኒት ምዃን ፈጺምኩም ክትጠራጠሩ ከምዘይትኽእሉ ገይረ ብዝተፈላለየ መንገድን አብነታትን መብርሂ ሂበላ አለኹ።

ስምዕዋ! ሰሚዕኹም ሼር ግበርዋ።

ቃልስና ክሓጽር እዩ። ዓወትና ናይ ግድን እዩ!!

5 replies
  1. አለምሰገድ
    አለምሰገድ says:

    ሶል ብጣዕሚ ሓቕኻ ኢኻ ብጠቕላላ ምስ ናት ሓሳብ ሓደ ዝኾነ ኣራኣያ ኢዮ ዘለኒ ብተኻኣለኒ ኹሉ ሓሳበ

    Reply
  2. Mulu
    Mulu says:

    ፅቡቕ ሓሳብ እዩ።ንተገባራውነቱ ምስ ፍሉጣትን ግዱሳትን ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ብምትሕብባር ሽትኡ ክመቅዕ ፃዕሪኻ ኣበርቲዕኻ ቀፅለሉ።

    Reply

Leave a Reply

Want to join the discussion?
Feel free to contribute!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *