ርኢቶ ብዛዕባ ውሽጣዊ ክፍፍል መረሕቲ ትግራይ

አብ መንጎ ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይን (ግምትን) ህወሓትን ዝግበር ዘሎ ውጥጥ ብዕሊ ካብ አንደበት መረሕቲ ግምት ሰሚዕናዮ አለና። ፖለቲከኛታት ህወሓት ንስልጣን ክንዲ ዘለዎም ህርፍርፎት ቅንዕና ተዝህልዎም፣ ብሰንኮም አብ ህዝቢ ትግራይ ዝበጸሐ እቲ ኹሉ መከራ አይምበጸሐን። ትርጉም ስልጣን ውልቀ ረብሓኻ ምስዳድ ዘይኮነስ ህዝቢ ምግልጋል ምዃኑን፣ ካብዚ ፍልይ ዝበለ አካይዳ ውዒሉ ሓዲሩ መሪር ዋጋ ኸምዘኽፍል እንተዝርድኦም፣ ባህጊ ስልጣን ክንድዚ አይምሀለዎምን። ብሰንኮም ትግራይ ተደጋጋሚ ዋጋ ኸፊላ፣ ንቅድሚት እውን እዚ ዝተርፍ እይመስልን።

ቅድሚ ዂናት ዝነበረ ግዕዝይና፣ ሓደሓዴና ብእዋኑ ተቃዊመናዮ ኢና። ብሰንኮም ትግራይ ዋጋ ኸምትኸፍል ተረዲእና ብዙሕ ኢልና ኢና። ናብኡ አይምለስን። ኣብ እዋን ዂናት እውን እንተኾነ፣ ብመሪር መስዋእትነትን ዕሸላትን፣ ብመስተንክራዊ ገድሊ ሓምትን፣ አብ ዓውዲ ዂናት ዝተረኸበ ዓወት፣ ብሰንኪ ስንኩል ፖለቲካን ምሕደራን ፖለቲከኛታት ህወሓት አሕሊፎም ከምዝህብዎ አቀዲምና አካይዶኦም እናተዓዘብና ነጠንቅቅ ከምዝነበርና እውን ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪ መልሲ ደብረብርሃን፣ ናብ ምጉጅጃልን ናብ ቀደም ግዕዝይኖኦምን ተመሊሶም፣ ካብ ጸለእቱ ንላዕሊ ንህዝቢ ትግራይ ጸር ጸር አቢሎምን ወነ ቃልሱ ስሊቦምን፣ ብቀሊሉ ኢዱ ኽህብ ገይሮሞ እዮም። ሕዚ እውን ሳልሳይ ዙር ጥፍኣት ይፍጽሙ አለዉ።

ኻሊእ ይትረፍ ጥምረት መሬት አስመላሻትን ሻዕቢያን ቀኒዕዎም ንመንግስቲ ኣብይ ገልቢጦም፣ መንበረ ስልጣን ተሒዞም፣ ዕጫ ትግራይ ከም ጋዛ ምድምሳስ ምዃኑ ዝርድኦም ሰባት አይኮኑን። ኣብይ አሕመድ እውን እንተኾነ ቀኒዕዎ ነዚ ጥምረት ቀርሺሙ ስልጣኑ እንድሕር አደላዲሉ፣ ንመረሕቲ ህወሓት ናብ ናይ ምህዳንን ንትግራይ መሊኡ ናብ ናይ ምንብርካኽን ስራሕቱ ኸምዝምለስ ዝተረዶም አይመስልን። ስልጣን ዝህሉ ህዝቢን ሀገርን እንትህሉ እዩ። ነዚ ተረዲኦም እንተወሓደ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነትን ሓድነትን አቀዲሞም፣ ንህዝቦም ውሽጢ ንውሽጢ አብ ክንዲ ዘደራጅዉን ዓቅሙ ዝሃንጹን፣ ነንባዕሉ ክናቆርን ክከፋፈልን ብምግባር ንኻሊእ ጥፍኣት ከዘጋጅውዎ ካብ ምርኣይ ተስፋ ዘቁርጽ ነገር የለን። ይኹን እምበር እዚ ክዕገት ክወስዱ አለዎም ኢለ ዝአምነሎም ስጉምትታት ክጥቁም እየ።

1 ግምት ንኹሉ ዘሳተፈ ሓቋፋይ መሓውር ክህልዎ ይግባእ። ኣብታ እዋን ዂናት ዝነበረት ናይ ሓምት ስብጥር፣ ኣብዚ ግዚያዊ መንግስቲ እውን ተደጊማ ክትረአ አለዎ። ናይ ኹሉ ተሳትፎን ርብርብን ጥራሕ እዩ ንትግራይ ንቅድሚት ዘሰድራ። ህልውናኣ ዘረጋግጸላ። እቲ ግዜያዊ መንግስቲ እውን ህዝባዊ ቅቡልነትን ድጋፍን ክህልዎ፣ ዓርሰ እምነቱ ክጥንክርን ዝኣምነሎም ፖሊሲታት ከተግብርን እዚ ዓብይ አበርክቶ ዝህልዎ ስጉምቲ እዩ።

2 በዚ መንገዲ ዓቅሙን ኮንፊደንሱን ዘማዕበለ ግዜያዊ ምምሕዳር፣ ዓንቀፍቲ እዮም ኢሉ አብ ዝአምነሎም መራሕቲ ህወሓት ሕጋዊ ስጉምቲ (ከም ሀውስ አሬስት ዝአመሰለ ስጉምቲ) ክወስድ ይኽእል። እኹል ህዝባዊ ድጋፍ እንትህልወካ፣ ኸምዚ ዝበሉ ስጉምቲታት፣ ህዝቢ ክኸፋፍሉን ካብ ቁጽጽር ዝወጽእ ናዕቢ ክፈጥሩን አይኽእሉን።

3 ሓምት መሓውሩ ኸይበተነ፣ ውሽጢ ንውሽጢ ንዓርሱ እናጠናኸረ፣ ከምታ አብ እዋን ዂናት ዝነበረት አወቃቅራን አመራርሓን፣ ካብ ፖለቲካዊ ውድባት ተጽዕኖ ነጻ ኾይኑ፣ ህልውና ትግራይን ተጋሩን አቀዲሙ፣ ዋሕስ ህዝቢ ኾይኑ ክቅጽል ይግባእ። እዚ ብፍላይ ነቶም ወታደራዊ አመራርሓ ዝህቡ ዝነበሩ መራሕቲ ዝምልከት እዩ ክኸውን።

4 ዋላኳ ክሳብ ሕጂ ዝነበሮ አካይዳ ብዙሓት ጸገማት ዝነበሮምን ተስፋ ዘቁርጹን እንተነበሩ፣ ህዝቢ ትግራይ ንግምት ዕድል ክህቦን ክድግፎን ይግባእ ዝብል እምነት አለኒ። እናደገፈ ረብሓ ትግራይ ዘረጋግጽ አካይዳ ክኽተል ጽዕንቶ እናሕደረ ንዝተወሰነ ግዜ ዕድል ክህቦ ይግባእ። ማለተይሲ ህወሓት ዳግም ስልጣን ትሕዘሉን ትግራይ ሰላም ትኾነሉን ዕድል ዳርጋ ዜሮ እዩ።

5 ህወሓት ካብ ዜሮ ዝልዓል ዕድል ንኽህልዋ፣ አባላታ ብፍላይ ማእኸላይን ታሕተዋይን አመራርሓ መሓውራታ፣ ንአካይድኦም ኦብጄክቲቭሊ ገምጊሞም፣ ንመረሕቶም ዘይኮነስ ንህዝቦምን ንባዕሎምን ዝጠቅም አካይዳ ክኽተሉ ይግባእ። ብኻሊእ አባህላ ተኣማኒነቶም ካብቲ ውድብ ንላዕሊ ንህዝቢ ትግራይ ክገብሩ ይግባእ። ሎሚ ብዛዕባ ህወሓት ዘለኒ አመለኻኽታ ቅድሚ ካብ ፊንፊኔ ምስጓጓ ካብ ዝነበረኒ አመለኻኽታ ዝተፈለየ አይኮነን። አይተቀየርኩን። ንውድቀት ትግራይ ካብ ህወሓት ንላዕሊ ዝሰርሕ ውድብ የለን ኢለ እየ ሎሚ እውን ዝኣምን። ኾይኑ ግን ከም ውድብ ክትጠፍእ ዘይኮነስ፣ ክትምሓየሽን፣ ብዝሓሸ መሓውርን አመራርሓን ዓቅማ አጠናኺራ አብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወጻኢን ብሉጽ ፖለቲካዊ ጽልዋ ክህልዋ እየ ዝምነ። ብስራሕ እምበር ብትምኒት ዝኸውን ነገር የለን። ነዚ ድማ ካብ መረሕታ ንላዕሊ አባላታ ሓላፊነት አለኩም።

0 replies

Leave a Reply

Want to join the discussion?
Feel free to contribute!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *