መን እዩ ተሓታቲ

አብ እዋን ዂናት ወረርቲ ብመርሸንቲ ጥራሕ ንተጋሩ ከንጽቱ ከምዘይኽእሉ ስለዝፈልጡ፤ ግራቱ፣ ዓውዱን ጎተራታቱን አቃጺሎም ብጥሜት ክጭርስዎ ፈቲኖም። እንተኾነ ግና ዘለዎ እናተኻፈለ፣ ጥሜት ተጻዊሩ ትግራዋይ ህይወቱ አጽኒሑ። ዋላኳ ብሰንኪ ዝተዋደደ መጥቃዕቶም ብአማኢት ሽሕ ዝቁጸሩ ንጹሃን ተጋሩ እንተሞቱ ብጥሜት ዝሞቱ ሰባት አብቲ እዋን ቁጽሮም ብዙሕ አይነበረን።

ኾይኑ ግና ርሃብ ስንት ቀን ይፈጃል ኸምዝብልዎ፣ ሳዕቤን ጥሜት ብሓጺር እዋን ጥራሕ ዝርኣይ ስለዘይኮነ፣ ውሽጢ ንውሽጢ ቀስ እንዳበለ ስርሑ እናሰረሐ ጸኒሑ። ኩነታት ስለዘይተመሓየሸን እናገደደ ስለዝመጸን ድማ፣ ብምግቢ ሕጽረት ነብሶም ዘመንመነ፣ ክሮኒክ ሕማም ዘማዕብሉ፣ ናይ ሰብነቶም ምክልኻል ዓቅሚ ዝተዳኸም፣ ወዘተ ቁጽሮም ዘይፍለጥ ዝነበረ ሰባት ሎሚ ድሕሪ ዂናትን ድሕሪ ሓደ ዓመት ስምምዕነት ውዕሊ ፕሪቶሪያን ጋህዲ ኾይኑ ወጺኡ ህይወቶም ዓብይ ሓደጋ አንጸላልይዎ  ክንርእይ በቂዕና። አብቲ እዋን ዂናት ካብ ዝነበረ ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ትግራይ አብ ኸቢድ ናይ ሃለዋት ሓደጋ  ወዲቃ ትርከብ።

እቲ አዝዩ ዘሕዝን ነገር ድማ፣ አብ እዋን ዂናት ብሽርሒ ጸለእቲ ዘይተንበርከኸ ህዝቢ፣ ብሰንኪ ሕሊና አልቦ ጉሒላታት አማሓደርቱን ግዕዝይንኦምን ህዝቢ ትግራይ ሎሚ ኢዱ ሂቡ። መቸስ ካብ ሓጺን ዝተሰረሐት ነፍሲ የብሉ! ክልተ መረሪት ዓመታት ተጻዊሩ አሕሊፉ።

ድሕሪ ዂናት ናብ ንቡር ህይወቱ ዝምለሰሉ ተስፋታት ክርኣይ አብ ዝጀመሩሉ እዋን፣ ዓለም ለኸ ውሃብቲ ሓገዝ ትካላት ህይወት ዝጠመየትን ዝረብረበትን ትግራዋይ ከድሕኑ ምርብራብ አብ ዝጀመሩሉ እዋን፣ ሓጺር አብ ዝብሃል እዋን ዳርጋ ናብ ኹለን ብ”Red alert” ተጸሪሐን ዝነበራ ኸባቢታት ሓገዝ ሂቦም  ናብ ኻሊኦት ኸባቢታት ምብጻሕ አብ ዝጀመሩሉ እዋን፤ ሰብ ሕማቅ አመላት ህወሓታውያን፣ ነቲ ዘይድሕን ሕማም ጉሕለቶም ካብ ተረንሽዋታት ምስራቅ ናብ ጽዕነት መኻይን ምጥላፍ ክብ ብምባል ቁጽሩ ዘይንዓቅ ሓገዝ ጨዊዮሞ፣ ጽቡቅ ጀሚሩ ዝነበረ ምብጻሕ ህጹት ሓገዝ ንልዕሊ 8 ወርሒ ክቋረጽ ተገይሩ። ምስቲ ኹሉ ርብርብ ወረርቲ አብ እዋን ዂናት ዘይተረኣየ ጥሜት ሎሚ ብሰንኮም ተራእዩ። ሓያል ሓደጋ አብ ትግራይ አንጸላልዩ ይርከብ 🙁

እዚ ከይኣክ ትማሊ ዝተሰረቀ እኽሊ ሎሚ ነቂዙ እንትጉሓፍን ብቤትጽሕፈት ጉሕለት አቢሉ ብግልጺ ጨረታ ንሽይጢት እንትቀርብን ንምርኣይ በቂዕና። ጋዶ!!

እንዳ ህወሓት ነውሪ ገለ ዝብሃል ነገር ከምዘይፈጠረሎም ንፈልጥ ኢና። ናብ አመሎም ተመሊሶም ሓርኮትኮት ክብሉ ብመስዋእቲ ዝተረኸ ዓወት ካብ ኢዶም ወጺኣ አምሊጣ፤ ግን አይተምሃሩላን። የግዳስ ገዲድዋም አብ ዓርሰ ቅትለት ጸሚዶም ይርከቡ። ጽግዕተኛ “ህዋሳት” ንኽነብሩ እቲ “ሆስቶም” ክነብር ከምዘለዎ ይርድኡ እዮም ይብሃል ብባዮሎጂ። ናይ ህወሓታውያን ግን ንበይኑ እዩ!!

“ህግ አስከብራለሁ” ኢሉ አብይ አሕመድ ዳግም ተመጸ መን እዩ ከድሕነኩም?

0 replies

Leave a Reply

Want to join the discussion?
Feel free to contribute!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *