Solomon Negash
  • Selam!
  • Books
  • Codes
  • About
  • Click to open the search input field Click to open the search input field Search
  • Menu Menu

ሳልሳይ ሕንፍሽፍሽን አንፈት አሰላልፋን ጉጅለታት ህወሓት

ካብ ጉጅላዊነትን አውራጃዊነትን አተሓሳስባ ውጽእ ኢልና ብአመክንዮ ነገራት እንድሕር ሪኢናዮም፣ ንረብሓን ሃለዋትን ህዝቢ ትግራይ ፋይዳ ዘለዎም ስትራቴጂታት ብቅደም ሰዓብ ከምዚስዕብ ይመስለኒ፥

1. ልክዕ ከምታ ናይ ቃልሲ እዋን (ትግራይ ብወፍሪ አሉላ ሓራ ቅድሚ ምውጻኣ ዝነበረ ናይ ሓባር ቃልሲ) ኹሉ ትግራዋይ ብሓባር ዝዓስለሉን አንጻር ኩሎም ጸላእቱ ዝስለፈሉን ቃልሲ ንዘላቂ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ብሉጽ አማራጺ ስትራቴጂ ነይሩ። ይኹን እምበር እዚ ሓደ ጊዜ ዘምለጠ ዳግም ክርከብ ዘይኽእል ዕድል እዩ።

2. መዋስንቲ ትግራይ አብ ዝኾና ክልላትን ጎረቤት ሀገራትን ምስ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ውዳበታት፣ ፖለቲከኛታትን፣ ሰበ ስልጣናትን ሕሉፍ ታሪኻትካ አሳኒኻን ተሸማጊልካን ብሓባር ምስራሕ። እዚ ሪል ፖለቲክ እዩ። ሞራል፣ ስነ ምግባር ወዘተ ዝብሃል ነገር ዘይብሉ፣ ፖለቲካዊ ቅመራ (ካልኩሌሽን) ጥራሕ ዘተኮረ፣ ንዘላቂ ረብሓ ትግራይ ዘዋጽእ አሰላልፋ እዩ። ንዘለቄታ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሕዚ ምስ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት እውን ናይ ሓጺር እዋን (ሾርት ተርም) ውጽኢቱ ብሉጽ እዩ።

ሀ. ምስ መዋስንትኻ ምስናይ፣ ንዝተ አለም ምሳኻ ተጎራቢቶም ምስ ዝነብሩ ህዝቢታት፣ እንተስ ብጉርብትና እንተስ ብኻሊእ መልክዑ ተሳኒኻ ንምንባር ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር አንፈት እዩ።

ለ. ጂኦፖለቲካሊ ንትግራይ ቁልፊ ዝኾና ጎረባብቲ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን እየን። ፖለቲካ ማእኸል ዓዲ ከምድላዩ ይኹን፣ ትግራይ ንቅድሚት ምስታ ሀገር ዝህልዋ ረኽቢ ድላዩ ዓይነት ይሀልዎ ብዘየገድስ፣ ትግራይ ኩልጊዜ ምስ ካሊእ ዓለም ትራኸበሉ መተንፈሲ በሪ ከድልያ እዩ። እዚ አብ ቁጽሪ 2 ዝተጠቀሰ ስትራትቴጂ ትግራይ ነዚ ንኽተውሕስ በሪ ዝኸፍት እዩ። እንተኾነ ብመንነት፣ ብቋንቋ፣ ብባህሊ፣ ብሃይማኖት ምስ ዝመስሉኻን ዝቀርቡኻን ኤርትራውያን፣ እንተዘይኮይኑ ድማ ምስ ደቡብ ሱዳን ረብሓ ክልቲኡ ገጽ ዘረጋግጽ ጂኦፖለቲካዊ ረኽቢ ክህሉ ናይ ግድን እዩ።

ሐ. ሻዕቢያ ካብ ኢትዮጵያ ምስ ፋኖ፣ ካብ ደገ ምስ ሶማሊያን ግብጽን ብምሕባር አንጻር ብልጽግና ዝሰርሕ ምስ ምዃኑን፣ አብ ደቡብ ሱዳን ምስ ዝርከቡ ቁልፊ ሓይሊታት ፍሉይ ረኽቢ ዘለዎ ምስ ምዃኑን እንትንሪኢ፣ ናይ ሓጺር እዋን ፖለቲካዊ ዕላማኻ ንምስኻዕ አሰላልፋ ናብዚ ገጹ ተበለ ዝሓሸ እዩ ክኸውን። ድሕሪ ብልጽግናኸ ዝብል ሕቶ ክልዓል ናይ ግድን እዩ።

3. ማእኸላይ መንግስቲ ተጠናኺሩን ንተጻበእቱ ስዒሩን መሰስ ክብል እዩ (አብቲ ከይዲ እውን እጃም ክህልወና አበርክቶ እንዳገበርና)፣ ስልጣኑ ምስ አደላደለ ድማ አብ ፌደራል መንግስቲ ውክልና ክህልወና፣ ናይ ክልል አውቶኖሚና እቲ ሕገመንግስቲ ብዘቀመጦ መሰረት ከይተሸራረፈ ክምለሰልና እዩ፣ ወዘተ ብዝብል ተስፋ፣ ምስ ማእከላይ መንግስቲን መዳርግቱን ምስላፍ ሳልሳይ አማራጺ እዩ።

አብ ውሽጢ ህወሓት ሕንፍሽፍ ካብ ዝአቱ ጀሚሩ (እታ ቀዳምይቲ አማራጺት ካብ ትጠፍአሉ እዋን ጀሚሩ) ክልቲኦም ጉጅለ ነተን ቀጸልቲ ክልተ አሰላልፋታት ፈቲኖመን እዮም። እቲ ሒሳቦም ነንባዕሎም ካብ ዝአተዉዎ ውጥጥ ስዒርካ ንምውጻእ እምበር፣ ዘላቂ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ አብ ግምት ዘእተወ አይነበረን። ዘላቂ ረብሓ ትግራይ አብ ግምት ተዝአቱ፣ አቋማት ከቀያየሩ አይምኸአሉን ነይሮም። ገና ካብ መጀመርታኡ ንዘልአለም ምሳኻ ምስ ዝነብሩ ጎረባብትኻ ዘለካ ጸገም ትፈትሐሉ አንፈት ትኽተል እምበር፣ ካብ ውሽጥን ደገን ሓይሊታት አኻኺቡ ከጥፍአካ ምስ ዝተረባረበ፣ ጽብሓ ምስ ዝፍንገል ስርዓት ክትጻመድ አይምፈተንካን። ጉጅለ ደብረጽዮን መጀመርታ ፈቲኑ አይተሳኸዐሉን፣ ብጉጅለ ጌታቸውን ጻድቃንን ተቀዲሙ። እንታይ እሞ ይኹን፣ ጉጅለ ጌታቸውን ጻድቃንን ዋላ እኳ ንተጻበእቶም እንተቀደሙ፣ ሳሕታን አሰላልፋ ተሰሊፎም። ነይነይ ምስ ዝብል ዘሎ ማእኸላይ ስርዓት ክትሰልፍ እንድሕር ደአ ኾይንካ፣ እንተወሓደ ሰራዊት ትግራይ አብ ጎንኻ ምስላፉ ክተረጋግጽ ነይሩካ።

እዚ ክብሃል ከሎ ተጻበእቲ ጌታቸው ተዓዊቶም ወይ ድማ ክዕወቱ እዮም ማለት አይኮነን። ማእኸላይ መንግስቲ ብናይ ባዕሉ ከይዲ ዓርሰ ቅትለት፣ አብ ውሽጡ ዘሎ ክራይስስ፣ ብኹሉ አንፈት ምስ ዝአተዎ ወጥሪን ተደማሚሩ አብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ዕድሉ ይመናመን እዩ ዘሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ዝተሰለፉ ሰባት፣ ስግአቶም እዛ ምሕዝነትን አሰላልፋን ድሕሪ ብልጽግናኸ ክትቅጽል ዶ ትኾን ወይስ ካሊእ ጣጣ ሒዛ ክትመጽእ ትኾን ንዝብል ሕቶ መልሲ ክህልዎም ይግባእ።

ከየንውሐልኩም ብሓንቲ ግምት አብዚ ከቋርጽ፣ አብ ቀረባ እዋን “ቀይ ባህርን እናስመልሳለን” ትብል ጭርሖ ዳግም ንሰምዕ ይመስለኒ።

0 replies

Leave a Reply

Want to join the discussion?
Feel free to contribute!

Leave a Reply Cancel reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

March 31, 2026

ጽምዶ

March 28, 2026

ክሪቶ በፕላቶ

February 18, 2026

ፍራንከንስታይን፥ አዲስ መፅሓፍ በገበያ ላይ!

September 11, 2025

My Replication Codes Project Gains Wider Recognition

September 12, 2020

Replication Codes for Popular Econometrics Books – All Examples

April 28, 2020

Econometric Analysis of Cross Section and Panel Data with STATA R and PYTHON

Popular
  • From Oslo to The Hague – The journey of Abiy Ahmed...November 7, 2020 - 3:06 pm
  • Reads Atlas Shrugged
    My top reads of 2023December 31, 2023 - 3:40 pm
  • የትግራይ ህዝብ እና የህውሓት ግኑኝነት...September 29, 2016 - 12:30 am
  • ጸበባን ቃልሲን ህዝቢ ትግራይ ከመይ...January 26, 2021 - 1:36 pm
  • ከምጽዓተ ኢትዮጵያ እንተርፍ ይሆን?...December 29, 2023 - 7:29 pm
  • Wooldridge chapter 4 – ExamplesJanuary 6, 2019 - 11:30 pm
  • IPIS Briefing March 2021 – Ethiopia-Tigray ConflictApril 10, 2021 - 7:03 pm
  • Spatial Mapping of Education DataDecember 24, 2018 - 12:01 am
  • ሶስቱ የጥፋት ፈረሶችና የኢትዮጵያ...November 12, 2020 - 5:48 pm
  • ትርጉም የለሽ ምጥ የለም!November 30, 2020 - 8:35 pm
  • መንግስት እና የህዝብ አስተዳደር –...March 5, 2017 - 2:19 am
  • በአዲስ አበባና በሌሎች ከተሞች የሚታዩ...February 8, 2019 - 3:23 pm
Recent
  • ጽምዶMarch 31, 2026 - 8:18 pm
  • ክሪቶ በፕላቶMarch 28, 2026 - 11:37 pm
  • ፍራንከንስታይን፥ አዲስ መፅሓፍ በገበያ...February 18, 2026 - 6:15 pm
  • My Top Reads of 2025December 15, 2025 - 4:31 pm
  • ሓንሳዕ ንደማመፅ እሞ!!October 18, 2025 - 6:16 pm
  • Great Ideas E04. Liberation, Then ReflectionOctober 10, 2025 - 6:54 pm
  • Great Ideas E03 – The Median Isn’t the MessageOctober 3, 2025 - 3:16 pm
  • ሃቅ ሃቁን ብቻ እናውራ ከተባለ ̷...October 1, 2025 - 11:55 pm
  • Great Ideas E02 – Great Scientific Ideas That Changed...September 26, 2025 - 1:30 pm
  • Great Ideas E01 – I, PencilSeptember 20, 2025 - 2:53 pm
  • My Replication Codes Project Gains Wider RecognitionSeptember 11, 2025 - 7:02 pm
  • Free GIS & Remote‑Sensing Toolkit 🌍April 18, 2025 - 9:18 pm
Comments
  • NATNAEL ENDALAMAW DERSHEየገብረህወት ባይከዳኝ መጥሃፍ መንግስት...November 20, 2025 - 5:40 pm by NATNAEL ENDALAMAW DERSHE
  • ሙለርትኽክል አለኻ ፀላኢኻን ፈታዊኻን ፈሊኻ...October 19, 2025 - 8:06 am by ሙለር
  • AwetThis is a very reflective essay about Tigray’s political...October 18, 2025 - 9:13 pm by Awet
  • Solomonሰላም ደረጀ ጽሁፉን እንዴት ማግኘት...April 19, 2025 - 8:32 pm by Solomon
  • ደረጀሶል የዶ/ር ተወልደ አርቲክል በሶፍት...April 19, 2025 - 7:35 pm by ደረጀ
  • Solomonእንኳዕ ሓቢሩ አብጽሓና!January 2, 2024 - 3:13 pm by Solomon
  • Solomonእንኳን አብሮ አደረሰን Babi!January 2, 2024 - 3:13 pm by Solomon
  • SolomonThank you Chombe, I wish you the same!January 2, 2024 - 3:12 pm by Solomon
  • Solomonአሰስ ብትል አንዳንዶቹን ኦንላይን...January 2, 2024 - 3:11 pm by Solomon
  • Brehaneእንኳዕ አብፅሓካ ሰሌ!January 2, 2024 - 2:46 am by Brehane
  • Babiሶል እንኳን አደረሰህ!January 1, 2024 - 7:34 am by Babi
  • ChombeThank you! All the best for 2024!December 31, 2023 - 9:03 pm by Chombe
©2026 - Solomon Negash
  • Home
  • Cons.Book
  • EthioData
  • Feeds
  • Contact
Link to: 10 Conflicts to Watch in 2025 Link to: 10 Conflicts to Watch in 2025 10 Conflicts to Watch in 2025 Link to: Ti konflikter du bør følge i 2025 Link to: Ti konflikter du bør følge i 2025 Ti konflikter du bør følge i 2025
Scroll to top Scroll to top Scroll to top