ሳልሳይ ሕንፍሽፍሽን አንፈት አሰላልፋን ጉጅለታት ህወሓት

ካብ ጉጅላዊነትን አውራጃዊነትን አተሓሳስባ ውጽእ ኢልና ብአመክንዮ ነገራት እንድሕር ሪኢናዮም፣ ንረብሓን ሃለዋትን ህዝቢ ትግራይ ፋይዳ ዘለዎም ስትራቴጂታት ብቅደም ሰዓብ ከምዚስዕብ ይመስለኒ፥

1. ልክዕ ከምታ ናይ ቃልሲ እዋን (ትግራይ ብወፍሪ አሉላ ሓራ ቅድሚ ምውጻኣ ዝነበረ ናይ ሓባር ቃልሲ) ኹሉ ትግራዋይ ብሓባር ዝዓስለሉን አንጻር ኩሎም ጸላእቱ ዝስለፈሉን ቃልሲ ንዘላቂ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ብሉጽ አማራጺ ስትራቴጂ ነይሩ። ይኹን እምበር እዚ ሓደ ጊዜ ዘምለጠ ዳግም ክርከብ ዘይኽእል ዕድል እዩ።

2. መዋስንቲ ትግራይ አብ ዝኾና ክልላትን ጎረቤት ሀገራትን ምስ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ውዳበታት፣ ፖለቲከኛታትን፣ ሰበ ስልጣናትን ሕሉፍ ታሪኻትካ አሳኒኻን ተሸማጊልካን ብሓባር ምስራሕ። እዚ ሪል ፖለቲክ እዩ። ሞራል፣ ስነ ምግባር ወዘተ ዝብሃል ነገር ዘይብሉ፣ ፖለቲካዊ ቅመራ (ካልኩሌሽን) ጥራሕ ዘተኮረ፣ ንዘላቂ ረብሓ ትግራይ ዘዋጽእ አሰላልፋ እዩ። ንዘለቄታ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሕዚ ምስ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት እውን ናይ ሓጺር እዋን (ሾርት ተርም) ውጽኢቱ ብሉጽ እዩ።

ሀ. ምስ መዋስንትኻ ምስናይ፣ ንዝተ አለም ምሳኻ ተጎራቢቶም ምስ ዝነብሩ ህዝቢታት፣ እንተስ ብጉርብትና እንተስ ብኻሊእ መልክዑ ተሳኒኻ ንምንባር ጥጡሕ ባይታ ዝፈጥር አንፈት እዩ።

ለ. ጂኦፖለቲካሊ ንትግራይ ቁልፊ ዝኾና ጎረባብቲ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን እየን። ፖለቲካ ማእኸል ዓዲ ከምድላዩ ይኹን፣ ትግራይ ንቅድሚት ምስታ ሀገር ዝህልዋ ረኽቢ ድላዩ ዓይነት ይሀልዎ ብዘየገድስ፣ ትግራይ ኩልጊዜ ምስ ካሊእ ዓለም ትራኸበሉ መተንፈሲ በሪ ከድልያ እዩ። እዚ አብ ቁጽሪ 2 ዝተጠቀሰ ስትራትቴጂ ትግራይ ነዚ ንኽተውሕስ በሪ ዝኸፍት እዩ። እንተኾነ ብመንነት፣ ብቋንቋ፣ ብባህሊ፣ ብሃይማኖት ምስ ዝመስሉኻን ዝቀርቡኻን ኤርትራውያን፣ እንተዘይኮይኑ ድማ ምስ ደቡብ ሱዳን ረብሓ ክልቲኡ ገጽ ዘረጋግጽ ጂኦፖለቲካዊ ረኽቢ ክህሉ ናይ ግድን እዩ።

ሐ. ሻዕቢያ ካብ ኢትዮጵያ ምስ ፋኖ፣ ካብ ደገ ምስ ሶማሊያን ግብጽን ብምሕባር አንጻር ብልጽግና ዝሰርሕ ምስ ምዃኑን፣ አብ ደቡብ ሱዳን ምስ ዝርከቡ ቁልፊ ሓይሊታት ፍሉይ ረኽቢ ዘለዎ ምስ ምዃኑን እንትንሪኢ፣ ናይ ሓጺር እዋን ፖለቲካዊ ዕላማኻ ንምስኻዕ አሰላልፋ ናብዚ ገጹ ተበለ ዝሓሸ እዩ ክኸውን። ድሕሪ ብልጽግናኸ ዝብል ሕቶ ክልዓል ናይ ግድን እዩ።

3. ማእኸላይ መንግስቲ ተጠናኺሩን ንተጻበእቱ ስዒሩን መሰስ ክብል እዩ (አብቲ ከይዲ እውን እጃም ክህልወና አበርክቶ እንዳገበርና)፣ ስልጣኑ ምስ አደላደለ ድማ አብ ፌደራል መንግስቲ ውክልና ክህልወና፣ ናይ ክልል አውቶኖሚና እቲ ሕገመንግስቲ ብዘቀመጦ መሰረት ከይተሸራረፈ ክምለሰልና እዩ፣ ወዘተ ብዝብል ተስፋ፣ ምስ ማእከላይ መንግስቲን መዳርግቱን ምስላፍ ሳልሳይ አማራጺ እዩ።

አብ ውሽጢ ህወሓት ሕንፍሽፍ ካብ ዝአቱ ጀሚሩ (እታ ቀዳምይቲ አማራጺት ካብ ትጠፍአሉ እዋን ጀሚሩ) ክልቲኦም ጉጅለ ነተን ቀጸልቲ ክልተ አሰላልፋታት ፈቲኖመን እዮም። እቲ ሒሳቦም ነንባዕሎም ካብ ዝአተዉዎ ውጥጥ ስዒርካ ንምውጻእ እምበር፣ ዘላቂ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ አብ ግምት ዘእተወ አይነበረን። ዘላቂ ረብሓ ትግራይ አብ ግምት ተዝአቱ፣ አቋማት ከቀያየሩ አይምኸአሉን ነይሮም። ገና ካብ መጀመርታኡ ንዘልአለም ምሳኻ ምስ ዝነብሩ ጎረባብትኻ ዘለካ ጸገም ትፈትሐሉ አንፈት ትኽተል እምበር፣ ካብ ውሽጥን ደገን ሓይሊታት አኻኺቡ ከጥፍአካ ምስ ዝተረባረበ፣ ጽብሓ ምስ ዝፍንገል ስርዓት ክትጻመድ አይምፈተንካን። ጉጅለ ደብረጽዮን መጀመርታ ፈቲኑ አይተሳኸዐሉን፣ ብጉጅለ ጌታቸውን ጻድቃንን ተቀዲሙ። እንታይ እሞ ይኹን፣ ጉጅለ ጌታቸውን ጻድቃንን ዋላ እኳ ንተጻበእቶም እንተቀደሙ፣ ሳሕታን አሰላልፋ ተሰሊፎም። ነይነይ ምስ ዝብል ዘሎ ማእኸላይ ስርዓት ክትሰልፍ እንድሕር ደአ ኾይንካ፣ እንተወሓደ ሰራዊት ትግራይ አብ ጎንኻ ምስላፉ ክተረጋግጽ ነይሩካ።

እዚ ክብሃል ከሎ ተጻበእቲ ጌታቸው ተዓዊቶም ወይ ድማ ክዕወቱ እዮም ማለት አይኮነን። ማእኸላይ መንግስቲ ብናይ ባዕሉ ከይዲ ዓርሰ ቅትለት፣ አብ ውሽጡ ዘሎ ክራይስስ፣ ብኹሉ አንፈት ምስ ዝአተዎ ወጥሪን ተደማሚሩ አብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ዕድሉ ይመናመን እዩ ዘሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ዝተሰለፉ ሰባት፣ ስግአቶም እዛ ምሕዝነትን አሰላልፋን ድሕሪ ብልጽግናኸ ክትቅጽል ዶ ትኾን ወይስ ካሊእ ጣጣ ሒዛ ክትመጽእ ትኾን ንዝብል ሕቶ መልሲ ክህልዎም ይግባእ።

ከየንውሐልኩም ብሓንቲ ግምት አብዚ ከቋርጽ፣ አብ ቀረባ እዋን “ቀይ ባህርን እናስመልሳለን” ትብል ጭርሖ ዳግም ንሰምዕ ይመስለኒ።

0 replies

Leave a Reply

Want to join the discussion?
Feel free to contribute!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *