ሓንሳዕ ንደማመፅ እሞ!!
ብሓየት ሰጋር (ካብ ማሕበራዊ ሚድያ)
እዚ አብ ሓደሓደ ኸባቢታት ትግራይ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ተቃውሞታት፣ ቀደም ህወሓት/ኢህወደግ አብ ስልጣን እንዳሃለወን፣ ገባሪ ሓዳጊ እንተሎን እንተዝኸዉን ነይሩ ከመይ ጽቡቅ ነበረ። ዂናት፣ ፅንተትን ዕንወትን ዝብሃሉ ነገራት አይምተፈጠሩን። ኮታስ እቲ ስርዓት ትኽክለኛ መስመሩ ክሕዝ ተገይሩ፣ ዓድን ህዝቢን ቀሲኑ፣ ምናልባት እውን ናይ ልምዓት ተረባሒ ኾይኑ ምነበረ። ሎሚ አብዘይቦትኡን ጊዚኡን ፃሕበርበር ምባል ሓንቲ ዓይንኻ አንቊርካ አብ ፀላም ንምንባር ዝግበር አካይዳ ዓይኒ ዕሙተይ እዩ። ብአደባባይ በዚ መንገዲ ክዝርዝሮ አይደልን ነይረ፣ ግን እቲ ኹነታት አገዲዱ አሎ። እዚ ንህወሓት ወይም ነቶም ሰበ ስልጣናት ብምሕላቅ ዘተፀሓፈ ወይ ድማ ፕሮፓጋንዳ ሓደ ካድረ ገይርኩም ከይትወስድዎ። ንልዕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት አንጻር ህወሓት ዝዘርግሖ ናይ ዓፈና ስርዓትን ብሽም ህዝቢ ዝሽቅጡሉ ዝነበረ አካይዳኦም ጠጠው ከብሉን ቅድሚ ማንምን ልዕሊ ማንምን ዝቃለስ ዝነበርኩ ሰብ እየ። ትማሊ ይኹን ሎሚ አነ ዘቀድሞ፣ ናይ ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ መጻኢ ወለዶ ትግራይ እዩ። በዚ ምኽንያት እውን እየ ናብ ፖለቲካ ዝተሰሓብኩ። እሞስ ንደማመፅ!
1) ብቀዳምነት ፀላኢና ነፂርና ንፍለጥ። ብሰንኪ ሕወሓት ተዓሚፀ/ነፂተ ኢልካ አውያትን፣ ብህወሓት ተዓሚፀ/ነፂተ ኢልካ አውያትን ሓደ አይኮነን። ዘራኽብ እውን የብሉን። ብሰንኮም ይኹን አይኹን ብዘየገድስ፣ ብገበን ክሕተት ዘለዎ ጸላኢ እቲ ዓማጺን አንጻቲን እዩ። እቲ ገበነኛ ክሳብ ሕጂ ተሓታቲ አይኮነን ዘሎ። ዝሕተት እውን አይመስልን። ብገበን ዘይምሕታቱ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሓራ ከም ዘውጸአና ሓይሊ ገይርካ ምቅባል እውን ተጀሚሩ አሎ።
እስኪ ብሓደ አብነት ንላዘበሉ። ኣነ ሓየት ምስ ሓደ ውልቀ ሰብ እንድሕር ተባኢሰን፣ እቲ ውልቀ ሰብ ንዓይ ንምርካብ ንሰበይተይ እንድሕር ዓሚጽዋ፣ ገበነኛ እቲ ዓማጺ እምበር አነ አይኮንኩን። ዋላኳ ብስነከይ (ሓየት ምስቲ ሰብ ስለዝተበኣስኩ) ሰበይተይ እንተተዓመጸት፣ ጸላኢ ሰበይተይ እቲ ዓማጺኣ እዩ። አነ አይኮንኩን። ሕነ ንምፍዳይ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ግፍዒ እውን እንተዝኸውን ነይሩ፣ ስቲል ቁጽሪ ሓደ ተሓታቲን ገበነኛን እቲ ዓማጺኣ እዩ።
አብ ልዕሊ ትግራይ አብይ አሕመድ ዘበጽሖ ህልቀት፣ ሕነ ምፍዳይ ከምዘይኮነ ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። በዚ ደረጃ ህወሓት/ኢህወደግ አብ ልዕሊ ማንም ህዝቢ ይኹን ሓይሊ ዝወሰዶ ናይ ጽንተት ስጉምቲ ስለዘይነበረ! እታ ዓባይ ብኽያቶም “የበይ ተመልካች ኮይንና” እያ ዝነበረት። ንጽንተት ትግራይ ልዕሊ ክልተ ዓመት ተሊሙን ስትራተጂታት ሓንጺጹን ናብ ተግባር ዝአተወ ጉጅለ ኦህዴድን መሻርኽቱ ብአዴንን፣ ከም ማንም ካድረ/አመራርሓ ህወሓት አብ ዘመነ ኢህአዴግ ይጉሕሉ፣ መሬት ይሽቅጡን ይብዕልጉን ነይሮም። ንህዝቢ ትግራይ ዘጸንት ምንም ዓይነት ገበን ህወሓት አይፈጸመን። ይትረፍ ዶ ብቀጥታስ፣ ብሕነ ምፍዳይ ደረጃ እውን ክምኽነ ዝኽእል፣ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ጽንተት ዘብጽሕ ገበን ህወሓት አይፈጸመን። ሶ ዝዓመጸካን ዘንጸተካን ሓዲግካ (ሓቊፍካ)፣ ብስንክኹም እዩ ብዝብል ምኽንያት ጻሕበርበር ምባል፣ አህያውን ፈርቶ ዳውላውን ከምዝብልዎ እዩ። ካውኡ ሓሊፉ እውን ሓንቲ ዓይንኻ ምጥፋእ እዩ።
ብዛዕባ ሓንቲ ዓይኒ ክምለሰሉ እየ፣ አህያውን ፈርቶ ዝበልክዋ እስቲ በታ ናይ ሰበይቲ ሓየት አብነት ነብርሃያ። ወዮ ዓማጺኣስ እንተ ብጉልበቱ ወይ ብምልሓሱ ወይ ብሃፍቱ ካባይ ካብ ሓየት ትርር ዘበለ ኾይኑ ተራእይዋስ፣ እዚ ኹሉ ብሰንክኻ እዩ ኢላ ንሰብኣያ ክትፈትሕ እንድሕር በጺሓ፣ በቃ ሰላም አውሪዳ ማለት ድዩ? ከም ውሽማ ተቀቢላቶ፣ ካባይ ካብ ሰብኣያ ሓየት ሓራ ከምዘውጽኣ ገባሪ ጽቡቅ ክትቅበሎ ድዩ? አብይ አሕመድን ሎሚ ናይታ ሀገር “ስቴት አፓራተስ” ዝተቆጻጸሩ መዳርግቱን ብገበን ከይተሓተቱ፣ አብ ልዕሊ ህወሓት ፋሕጠርጠር ምባል፣ ከምዛ ናይ ሰበይቲ ሓየት ውሽማኻን ገባሪ ጽቡቅካን ገይርካ ንአብይን መዳርግቱን ከም ምቅባል እያ። አብ 1984 ናይ ጆርጅ ኦርዌል መጽሓፍ እንድሕር አንቢብኩም፣ 2 ክድመር 2 ይኸውን 5 ክሳብ ዝብል ቅጥቅጥ አቢሉ ንዘእመኖ ዓማጺኡ፣ “ትኽክል ኢኻ ጎይታዋ” ኢሉ ከምዝተቀበሎ ዊንስተን ስሚዝ ማለት እዩ። ካብ ጌም ኦፍ ትሮን እውን ንጥቀስ ተተባሂሉ፣ ነቲ ጉዳዩ ቆሪጹ ጠቢሱ ንዘብልዖ ገፋዒዑ ጎይታይ ኢሉ ከምዝተቀበሎ ትዮን (ድሕሪ በትሪ ድማ፣ ሪክ) ማለት እዩ። እዚ ዋላ እናመረረና ይኹን እናቅሐረና ክንውሕጦ ዘለና ሓቂ እዩ!!!
2) ዓቅምና ብደንቢ ንፍለጥ። ንዓና ከይርድአና ይኽእል ይኸውን፣ አብይ አሕመድን ብልጽግናን ግን ብደንቢ ዝፈልጥዎን ዝፈርሕዎን ሓይሊ፣ ቲዲኤፍ እዩ። ምስ ኦነግ ንልዕሊ ሓደ ዓመት፣ ምስ ፋኖ ንልዕሊ ክልተ ዓመት፣ ይኳሻሕ አሎ። ብድሕሪ ኦነግ ይኹን ብፍላይ ብድሕሪ ፋኖ፣ ሻዕቢያ ከምዝነበረን ከምዘሎን፣ እቲ ዂናት ናይ ፕሮክሲ ከምዝኾነን ብልፅግና አጸቢቁ ይፈልጦ እዩ። ይኹን እምበር፣ ክንዲ ሓምት ዘስግእዎ አይኮኑን። ናብዞም ሓይሊታት እዚኦም ህወሓት ንሓምት ሒዙ እንትጽምበር፣ ፍጻመ ስርዓቱ ከምዝኾነ ብልጽግና አጸቢቁ ይፈልጦ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ጎናጎኒ ምድላዋት ዂናቱ፣ ንህወሓት ዘዳኽም፣ ንህዝቢ ትግራይ ዝኸፋፍል፣ ዝተፈላለዩ ዘመቻታት ከፊቱ ዘሎ። ዓማጺኹምን ቀታሊኹምን ገዲፍኩም፤ አብ ሕወሓት አስናንኹም ክተብልሑ ዝገብረኩም ዘሎ። ንስርዓት ብልጽግና ካብ ውድቀት አድሒንኩምን፣ ካብ ብገበን ተሓታቲነት ነጻ አውጺእኹምን፣ ከም ውሽማ ንኽትቅበልዎ ብዝኸፈተልኩም ናይ ፕሮፓጋንዳ ዂናት አብይ አሕመድ ይዕወት አሎ።
አብዚ ክንጽር ዘለዎ ጉዳይ፣ ምስ ካልኦት ሓይሊታት ዝግበር ፅምዶ እዩ። ትማሊ ንትግራይ ጨፍጭፊካ ንምንብርካኽ፣ ምስ ሻዕቢያን ምልሻ አምሓራን ምሽራኽ ስትራቴጂካሊ ንብልጽግና ትኽክል እንድሕር ነይሩ፣ ሎሚ ንብልጽግና ካብ ፊንፊኔ ምስ ዘይትሓልፍ ስርዓቱ በንቂርካ ንምቅባጽ ምስዞም ሓይሊታት ህወሓት እንተተጻመደ ገበን፣ ሓጥያት ወይክዓ ኢሞራላዊ ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? አብ ፖለቲካ ቋሚ ፈታዊ ወይ ጸላኢ የለን። ረብሓኻ ጥራሕ እዩ ንኹሉ ዲክቴት ዝገብሮ። ይትረፍዶ አንጻር ብልጽግና ንልዕሊ ክልተ ዓመት ክቃለሱ ምስ ዘጸንሑ ሓይሊታት ምጽማድ፣ ዋላ ሓንቲ ጎንጺ ዘይነበሮም እንድሕር ነይሮም እውን ዓሲብካ (ብኽፍሊት ይኹን ብኻሊእ ረብሓ) አብ ጎንኻ ክተሰልፎም እንድሕር ክኢልካ፣ አንፈት ቃልስኻ አይሰሓትካን ማለት እዩ።
ኖ አብይን ብልጽግናን ብገበን አይንሕተቶ፣ ኩሉ ንረስዓዮ፣ ሰራዊትና በቲንና አብ ትሕቲ መግዛእትኡ ንእቶ፣ እንትስሕቅ እናስሓቅና እንትበክይ እናበኸና ብሳንባ አብይ ክንትፍስ፣ ጸጽቡቁ መኪና ክንዝውር፣ ጠጥዑሙ ክንበልዕ፣ ሰላም ይሕሸና፤ ዝብል ሓይሊ እዩ አንፈቱ ስሒቱ ዘሎ። ኸሽዑ አቀዲሙ፣ ባርነት አሜን ኢልካ ክትቅበል ዝጉስጉስ ሓይሊ እዩ አንፈቱ ዝሰሓተ ሓይሊ። ሰራዊት እንትብተን፣ አመራርሓ እንትጠፍእ፣ ሓድነቱ ካብ ብሕጂኡ ዝተዘረገ ህዝቢ፣ ዋላ ሓንቲ ዋሕስ የብሉን። ዋል ሓንቲ! ግበር ዝተብሃሎ ክገብር፣ ኩን ዝተብሃሎ ክኸውን እዩ። 2 እንትድመሮ 2 ይኸውን 5 ኢሉ ክቅበል። ሽምካ ሓየት አይኮነን ዝብኢቀትሪ እዩ እንትብሃል፣ ሓቅኻ ዝብኢቀትሪ እዩ ሹመይ ክብል። ወዮ ካብ ተሓታትነት ተድሕኖ ዘለኻን፣ ከም ውሽማ ክትቅበሎ ፋሕጠርጠር ትብለሉ ዘለኻን ስርዓት፣ ጽባሕ ዝለመዶ በትሪ አልዒሉ እንትቅርሽመካ፣ በትርኻ ናፊቁን ነይሩ ኢልካ ክትውሕጣ ጥራሕ እንተዘይኮኑ፣ ዋላ ሓንቲ ካሊእ መዋጽእቲ የብልካን።
እሺ፣ ንግፍዒ ትግራይ ብህወሓት ነሳብብ፣ ግፍዒ ህዝቢ አምሓራኸ ብመን ይሳበብ? ብፋኖ? ንፋኖ ዝወለዶ እንታይ ኮይኑ? ፋኖ ከም ህወሓት አብ ስልጣን አይነበረ። ተገፋዕኹ ዝበለ ህዝቢ ዶ አይኮነን እዩ ንፋኖ ዝወለዶ። ንፋኖ ረኸብኩ ኢሉ፣ ንኹሉ ዝቅጥቅጥ ስርዓት፣ ጽባሕ ንዓኻ (ድሕሪ ህወሓት ወይ ሓምት) ክምሐረካ ዶ ይመስለካ? ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ፣ ህወሓት ሀለው አይሀለወ፣ ባርነት አይቅበል ዝብል ወለዶ አብ መንጎኻ ምፍራዩ አይተርፍን። ክሳብ ሕጂ ንዝተፈጸሙ ገበናት ፍትሒ ደላይ ወለዶ አብ ውሽጥኻ ይፈርይ እዩ ዘሎ። ጽባሕ ብሰንኩ እውን ምቅጥቃጥካ አይተርፍን ። ክትቅጠቀጥ ኢኻ ድማ። እዚ መሰረታዊ ባህሪ እቲ ስርዓት እዩ። ስልጣን ካብ ኢዱ ክሳብ ዘይወጸእት፣ በኸቢድ ገበን ክሕተት ከምዘይኽእል ስለዝፈልጥ፣ ካብ ተሓታትንት ንምምላጥ ዘለቶ አማራጺ አብ ስልጣን ተጣቢቅካ ምንባር እያ። እታ ወንበር ወይክዓ ሞት! ነዚ ረሲዕና ኣብ “አህያውን ፈርቶ ዳውላውን” ምጽማድና መሕዘኒ እዩ።
3) ሎሚ ህወሓት ክምልሶ ዝኽእል መሰረታዊ ምምሕዳራዊ ፀገም ከምዘየለ ምፍላጥ የድሊ። ጊዜያዊ መንግስቲ አሎ፣ ከም ኩነታቱን ንሽርሕታቱ ብዝጠቅመሉ መንገዲ ብልጽግና (ፌደራል) በጀት፣ ድጋፍ፣ መሰረታዊ ግልጋሎት ወዘተ ይህብ። ተደልዩ ድማ ይኸልእ። ሎሚ ህዝቢ ትግራይ ነንባዕሉ ክከፋፈልን፣ አንጻር ሓምት/ህወሓት ክልዓልን ክሳብ ዝሓገዘ፣ አገልግሎት ኢንተርኔት፣ ስልኪ፣ መብራህቲ ወዘተ ትግራዋይ ከም ሀገሩ ተጠቃሚ ክኸውን ተፈቂዱሉ አሎ። ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ዂናት እንተተላዒሉ ግና ደሪቡ ምስ ህወሓት/ሓምት ምእንታን ክጭፍጭፈካ፣ እዘን መሰረታዊ ግልጋሎት አይትረኽበንን ኢኻ። ንሳቶም ንህወሓት የዳኽሙለይ እቲ ምንቅስቃሶም ብሶሻል ሚድያ ይኹን ብኻሊእ መንገዲ ይሰራጮ፣ አነ ፈልዬ ንህወሓት ክቅጥቅጥ እየ፣ ኢሉ እተን መሰረታዊ አገልግሎት ክፍቲ አይገድፈልካን። አጽለሚቱ፣ ዓጽዩ ብሓባር ክምታ ዝለመዳ እዩ ዘንጽተካ።
ሞት ንሞቱ ብሓባር ምቅላስን ናብ ዓወት ምግስጋስን ዶ ይሓይሽ ወይስ ተኸፋፊልካ አብ ዝውላዕ ዂናት ደመከልብ ኮይንካን ተሰኲንካን ምትራፍ? ተጋዳላይ ይኹን ሲቪል፣ አብቲ ቃልሲ እጃም ዝነበሮ ይኹን ዘይነበሮ፣ ሎሚ አብ ኸቢድ ኩነታት ይነብር ምህላዉ ሓቂ እዩ። ነዚ ጸገም ክትፈትሕ ትኽእል ህወሓት ሎሚ የላን። ቁመነኣ አብቲ ደረጃ አይበጸሐን። ቀደም ምኾነ ሪሶርስ ከምድላያ ሞቢላይዝ እትገብር ሓይሊ ስለዝነበረት፣ ብዝተወሰነ ደረጃ ክትፈትሖ ምኽኣለት። ሎሚ ንባዕላ ብቸርኬ ትኸይድ ዘላ ውድብ እያ። እታ ዘላታ ዓቅሚን ጥሪትን፣ ተዋጽእ እያ አብ ትብላ አንፈት ቃልሲ ተውዕላ አላ። ጋምብሊንግ? መይ ቢ። ግን ድማ ኩሉ ኢንቨስትመንት ዳርጋ ቁማር እዩ።
ምኢቲ ፐርሰንት እርግጸኛ እየ መኽሰቢ እዩ እትብሎ ኢንቨስትመንት የለን። ግን ድማ ብዝተፈላለየ መዐቀኒታት መዚንና፣ ዝተፈላልዩ ሴናሪዮታት አነጻጺርና፣ እዚ ይሓይሽ ክንብሎ ንኽእል አንፈት ቃልሲ፣ ሎሚ ህወሓት ትኽተሎ ዘላ አንፈት ቃልሲ እዩ። ቀዳማይ ሓምት (ዓቅሚ ትግራይ) ንብልጽግና ምስ መዳርግቱ (ሻዕቢያ፣ ምልሻታት አምሓራ ኦሮሚያ ዓፋር ወዘተ፣ ድሮናት ዱባይ ወዘተ) ምስ እቲ ኹሉ ሀፍቲን ልቃሕን እታ ሀገር፣ ምስቲ ኹሉ መሓውር ፕሮፓጋንዳ (ሎሚ አንጻሩ ተሰሊፎም ዘለዉ ሓይሊታት፣ ከሽዓም አርቲስትታት፣ ሰራሕተኛ መንግስቲ ወዘተ)፣ ነዚ ኹሉ ዝመከተ ሓይሊ እዩ (ሓምት!)። ሎሚ ዳርጋ ኹሎም አንጻር ብልጽግና ተሰሊፎም አለዉ። ይትረፍዶ አንጻሩ ተሰሊፎምን፣ ብሓባር ክቃለሱ ምቅርራባት ጀሚሮምን፣ ንሳቶም ዘየለውሉ ንብልጽግና በይንኻ ንምምካት ዝሰንፍ ሓይሊ አይኮነን ሓምት። ብርግጽ ሓድነቱ ዝተዘረገ ደጀንን አመራርሓን ሒዝካ፣ ሓምት ከምቀደም ማዕረ ዓቅሚ አለዎ ኢልካ ክትተኣማመን አይትኽእልን ትኸውን። ግን ድማ ጸላኢኡ ብልጽግና እውን ከም ቀደም ዓቅሚ ዘለዎ አይኮነን። ብኹሉ አንፈት ዝተወጠረ፣ ቃልሲ ዝጸዓቆ፣ ጸለእቱ ዘብዘሐ ስርዓት፣ ብሓይሊ ፕሮፓጋንዳ ጥራሕ ከሰኩነካ እዩ ፋሕጠርጠር ዝብል ዘሎ። ሶ እታ ተዋጽእ ብዝተዋደደ ሓይሊ ብሓባር ምስቶም ካልኦት ተቃሊስካ ነቲ ስርዓት ምቅባጽ እያ።
ባይዘወይ ብልጽግና ንሓምት ክብትን ላሕ ኢሉ ምስ አበዮ፣ ዘቅረቦ ሕቶ አብ ጎነይ ተሰሊፍኩም ነቶም ካልኦት (ፋኖ፣ ኦነግ፣ ሻዕቢያ፣ ወዘተ) ንቀጥቅጥ እዩ ነይሩ። ሓምት ነዚ ነጺጉ፣ አሰላልፋኡ ብተቃራኒ ምግባሩ፣ አርሒቁ ምሕሳቡ ዘመላኽት እዩ። ጽባሕ ምስ ዝጠፍእ አንጻቲኻ ስርዓት ካብ ትዕረቅ፣ ንዘልኣለም ጎረባብትኻ ኾይኖም ምንባር ምስዝቅጽሉ ህዝቢታት ምትዕራቅ ዘላቂ ሰላም የርክብ። ምስ ብልጽግና ተዓሪቅካ ንዘልኣለም ምስ አምሓራን ኤርትራን ተጻሊእኻ ክትነብር እዩ ነይሩ ዕላማ አብይ፣ ክትብቀሎም ክፈቅደልካ፣ ድጋፍን ዲፕሎማሲያዊ ሽፋንን ክህበካ፣ ወዘተ። እዚ እንተዝኸውን ነይሩ፣ መጻኢ ወለዶ ትግራይ ምስ ጎረባብቱ ኸመይ ክነብር ከምዝኽእል ንምግማቱ አይከብድን። ክፍፍል ህወሓት ብጉጅለ ጌታቸው ዓብላልነት እንተዝዛዘም ነይሩ፣ እዚኣ እያ ክትኸውን ነይራ። ሎሚ ብልጽግና አብ ዘቀጻጽሎ ዘሎ ፕሮፓጋንዳ ዂናት ይዋጥዩ ዶ የለዉን? ዝእዝዝዎ ሰራዊት እንተዝህሉ ነይሩ ድማ መዋፈሩ ነይሮም። ጉጅለ ጌታቸው ብዘይ ምስዓሩ ግን፣ ሓምት ካብ ምፍራስ እውን ጸረ ኻልኦት ህዝብታት ካብ ምስላፍ እውን እዩ ተሪፉ።
ህውሓት ንሓምት ሒዛ ብዝተዋደደ ሓይሊ ተቃሊሳ እንድሕር ተዓዊታ፣ ህዝባ ትክሕሰሉ ዕድል ክህሉ እዩ ኢለ ይግምት። ዝበልዕወን ምትፋእ፣ ዝወሰድወን ምምላስ፣ ወዘተ ትኽእለሉ ዓቅሚ እንትህልዋ፣ ንብዓት ህዝባ ሓቢሳ ትኽሕስ ትኸውን። ህዝቢ እውን ሎሚ ክሕንገጦ ጀሚሩ ዘሎ፣ አጥቢቅካ ናይ ምሕታት ወነ፣ ቀጺሉሉ ሕቶታቱ ንክትምልሰሉ ዘገድደሉ ኩነታት ክፍጠር፣ ፍታሕ ክውሃቡሉ ምናልባት እውን ብሓባር ፍታሕ ክእልሹሉ ዝኽእሉ ዕድላት ክፍጠሩ ዝኽእሉ ድሕሪ ዓወት እዩ። ሎሚ አብ መቀጸልታ እቲ ዝሓለፈ ኲናት ዝኾነ ሓያል ውጥረት ኮይንካ ክትምክቶ ትኽእል ጸገም የለን። ኩልና ዘይንክሕዳ ሓንቲ ሓቂ አላ። ንሳ እውን፣ ሎሚ ምስ ህወሓት ዝግበር ጎንጺ፣ ፍሪክሽን፣ ዘይምስናይን ወዘተ፣ ዋላ እኳ ህወሓት ክንዲ ድላያ ዓቅሚ እንተሃለዋ፣ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከተስዕቦ ትኽእል እቲ ዝኸፈአ ሕማቅ ነገር፣ ካብ ዓፈና አይሓልፍን። ህዝቢ ከም ህዝቢ ክነጽት፣ ክበርስ፣ ብአልማሚት ስጉምቲ ክትወስደሉ ትኽእል ዂነታት ክፍጠር ፈጺሙ አይኽእልን። ካብ ውሽጢ እቲ ህዝቢ ዝወጸት ውድብ ከም ምዃና መጠን፣ ናብ ህዝባ ምትኳስ እንትትጅምር፣ ንባዕላ እውን ክትፈርስ እያ። ነንባዕሎም ስለዝታኾሱ። ተተሓሒዝካ ምጥፋእ ስለዝኸውን።
ብአንጻሩ ህወሓት ሃለወ አይሃለወ፣ ምስ ብልጽግና ናብ ውጥጥ እንድሕር አቲኻ፣ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ፈጺሙ ዘይተርፍ እዩ። ሓንሳብ ደፊሩካ፣ ተምጽኦ ነገር ከምዘየለ ዝፈልጥ ሓይሊ፣ ደጊሙ ደጋጊሙ ካብ ምዕማጻ ዝእግዶ ነገር የለን። ዝእግዶ ክሳብ ዘየለ ድማ ዋላ ሓንቲ ዋሕስ የብልካን። ተጋሩ (ሓምት) ብዘይሳተፉሉ ብረታዊ ቃልሲ ብልጽግና ካብ ስልጣን እንድሕር ተወጊዱ እውን እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ተረኛ ካብ ብልጽግና ክሓይሽ ንምኽኣሉ መተኣማመኒ የብልካን። መተኣመመኒኻን ዋሕስካን ዝተወደበ ኩለመዳያዊ ቃልስኻ ጥራሕ እዩ!! ሶ ንቅሕ ደኣ!
ድሕሪ ዓወት ንህወሓት ይኹን ንሓምት ከመይ ናብ ህዝባዊን ዲሞክራሲያዊን ሓይሊ ዋላ አገዲድና ክንቅይር ከምእንኽል ብሰፊሑ ከምዝፅሕፍ ቃል እንዳአተኹ፣ ንሎሚ አብዚኣ ክሰናበተኩም። ፅሑፍ ስለዘንዋሕኹ ይቅርታ፣ ስለዝተኸታተልኩምኒ ድማ የመስግን።
ትግራይ ትዕወት!!

This is a very reflective essay about Tigray’s political situation, historical grievances, and the dangers of propaganda and concentrated power. Hats off!
ትኽክል አለኻ ፀላኢኻን ፈታዊኻን ፈሊኻ ዘይምፍላጥ እዩ እቲ ዓብይ ፀገም። ተባረኽ።