,

አብይ ሀለወ አይሀለወ፣ ጸገም ትግራይ ብሓደ ግዜ ዝፍታሕ አይኮነን፤ ዕድላት ግን ንጠቀመሎም

ናይ ገለገሌኹም ጥርጣረ ቅቡል እዩ፣ ጥንቃቀ ምግባር አድላዪ ‘ውን ‘ዩ። ናይ ገሌኹም ግን ሓለፋ አለዎ። ካብ ጉጅለ ብልጽግና ዝተወሀበ መምርሒ ተጋውሑ ዘለኹም እዩ ዝመስል።

ቀዳማይ ነገር፣ አብይ ክርትም ተበለ፣ ጸገም ትግራይ ብሓደ ሻዕ ክፍታሕ እዩ ማለት አይኮነን። እንዲያውም ናብ ዘይንፈልጦን ክንእምቶ ዘይንኽእልን ምስቅልቅል ኢና ክንአቱ። ጽቡቅን ሕማቅን ዕድላት ሒዙ እዩ ክመጽ። ስለዝኾነ እውን፣ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ዋላ ንዓመታ እቲ በዓለገ ናይ ኢዱ ረኺቡ ክርትም ተበለ፣ ነቲ ዕድል ከመይ ንጠቀመሉ ኢልና ኢና ክንሓስብን ክነሰላስልን ዝግበአና እምበር፣ ሓቂ እዩ አይኮነን አብ ዝብል ሙግት ጊዜና ክነባኽን አይኮነን።

ካልኣይ፣ ናቱ ዘይምህላው ጸገምና ቀልጢፉ ክፍታሕ ከምዘይኽእሎ እንድሕር ተረዲእና፣ ሞተ አይሞተ ኢልካ ትጽቢት አይክህልወናን እዩ ማለት እዩ። እንድሕር ትጽቢት ዘይብልካ ድማ፣ እቲ ዜና ሓሶት ኮይኑ ተተረኸበ እውን፣ ዝጎድእ ነገር የብሉን። ስለዚ ብቀዳምነት ዋላ ክርትም ተበለ እውን ጸገምና ብሓንሳብ ከምዘይፍታሕ ንረዳእ። እታ ዓዲ ናብ ዝገደደ ቅልውላው ክትአቱ ከላ ዝፍጠሩ ዕድላት ምእንታን ክንጥቀመሎም፣ እንተኾይኑኸ ብኸመይ ነስተናግዶ ዝብል ንሕሰብ። ብኹሉ ዝተጸለአ፣ ብኦሮሞ፣ ብአምሓራ፣ በትግራዋይን ብኻልኦትን ዝተጸለአ ሰብን፣ ደጋፊ ዘይብሉ ባንዳን ስለዝኾነ ውዒሉ ሓዲሩ፣ ዕጫኡ ፍግም ምባል እያ፣ በዚ አይትጠራጠሩ።

Domnic Raab, Foreign Secretary of UK| Photo @UKinEthiopia

ሕጂ እቲ ዝውረ ዘሎ ዜናታት ማለት ‘ውን ብጥዕና ምስአን ምኽንያት አክቲቭሊ አብ ስራሕ ከምዘየለ ዝስማዕ ዘሎ ወረ፣ ሓቂ ዋላ ተዘይኮነ፣ አብ ከቢድ ቅልውላው አብ ዘላ ሀገር ከቢድ ናዕቢ ክፈጥር ዝኽእል እዩ። ተዘይተጸሊሎም በስተቀር ብሓሶት ከምዚዓይነት ዜና አብዚ እዋን አይሰርሑን። ናይ ኢሳያስ ትብልዎ ዘለኹም ወረ፣ ናይ ባዕሉ ምኽንያት ነይርዎ እዩ፥

ቀዳማይ ነገር ብዙሕ ጊዜ ፈተነታት ተገይሮም ፈሺሎም እዮም። እቲ ፈተነ ከምዘይተገበረን ተገይሩ ከምዘይፈልጥን ንምጥፍፋእ ሓደ ወይ ክልተ ጊዜ ከምዚ ዓይነት ድራማ ሰሪሑ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ካልአይ ነገር ዓለም እዝኒ ሂባቶ ዘይትፈልጥ ሰብ፣ ህልም አቢላ አብ ዝረሰዐቶ እዋንን አብ ውሽጢ ዓዲ እውን ኩሉ ኩነታት ጭር ኢሉ አብ ዝነበረሉ እዋን ትኹረት ንምርካብን ጸላእቱ ንምማይን ዝተጠቀመሉ እዩ።

አብይ አሕመድ ከምዚ ዓይነት ድራማ ክሰርሕ ዝኽእለሉ እዋን አይኮነን ሕጂ። እታ ትማሊ ምሸት ዝተበተነት ወረ ብደንቢ ገይሩ ዝጥቀመላ ሓይሊ ተዝህሉ ነይሩ፣ ብፍላይ ኦሮሚያን ፊንፊኔን ሓያል ናዕቢ ምትፈጠረ ነይሩ። ንምንታይ ፈሪሖም ሙሉእ ለይቲ በኩሉ ማህበራዊ ሚድያታት አብ ስርሑ እዩ ዘሎ እንዳበሉ ሓዲሮም? እታ ዝቀለለት ብዛዕባ ወቅታዊ ኩነታት መግለጺ ምሃብ ዶ አይኮነትን?

ቪድዮን ፎቶን ካብ አርካይቭ ክጥቅዑ ይኽእሉ እዮም። ሶሻል ሚድያ ገጻቱ ድማ ብኻልኦት ሰባት እዩ ራን ዝግበር። አብ ላይቭ አኬባ ኮፍ ኢሉ፣ “አንተ ብቻ ነህ መዳኛችን” እንዳበለ ብባዕሉ አካውንት ዝጽሕፍ ጀዝባ ሰብ እኮ እዩ ራን ዝገብሮ። ረሲዕኹሞ ዶ? እቲ ናይ ዩኬ ሚንስቴር ‘ውን ፎቶ አይጠቀዐን። ምስ ደመቀ ግን ብዜናን ብፎቶን ተራእዩ። ካብ ሚድያ ከርሕቆ ዝኽእል ነገር ተዘይፍጠር ነይሩ አኽኢልዎ ዳርጋ ንሓደ ወርሒ አይምጠፈአን። ንመጨረሽታ ግዜ አነ ዝረአኽዎ፣ አብ መተከል ዝኸደሉ እዋን እዩ። ድሕሪ ዝመጹ ፎቶታት፣ ናይቲ ኮይሻ ገለ ዝብሃል ምስቲ ፍልስጤማዊ ሰላሊ ዝተራአዮ፣ ዝጸነሐ ፎቶ ካብ አርካይቮም እዩ።

ክጠቃለል ከሎ

ቀዳማይ ንሕና ንክንጠራጠር እኹል ምኽንያት አለና። እዚ ምኽንያታዊ ጥርጣረ ናብ ኩሉ ክዛመት አለዎ። ጦር ከፈታው ወሬ የፈታው እዩ። ሚድያን ኔትዎርክን ዓጽዩ ዶ አይኮነን፣ ካብ ኲናት ንላዕሊ ብፕሮፓጋንዳ ዝሰዓረና? ስዒረ ምስ በለ፣ ኩሉ ተቀቢልዎ እቲ ዜና ንሱ እዩ ዝፍለጥ። ሓቅነት አይኮነን፣ እቲ ዋና እቲ ስቶሪ ዓዳጊ ረኺቡ ዶ እዩ።

ካልአይ እቲ ጥርጣረ ናብ ብዙሓት ንኽበጽሕ ንሳቶም ብራዕዲ ይሕግዙና አለዉ እዮም። ክነቀጻጽሎን ከንባዝሖን እዩ ዝግባእ። ከምቲ ዝብሃል አብ ስራሕ እንድሕር ዘየለ፣ አብ ስልጣን ዘለዉ አምሓሩ እዮም ማለት ስለዝኾነ፣ ኦሮሞ ግልብጥ ኢሉ ንኽወጽእ ኢንሰንቲቭ አለዎ። ነዚ ንጠቀመሉ።

ሳልሳይ ሓሶት ተኾነ እውን ዝጎድለና ነገር የለን። እታ አጋጣሚ ጥራሕ ንጠቀመላ። ጸገምና ምስ ሀለዋት አብይ ዝተተሓሓዘ እዩ ኢልኩም ትአምኑ ሰባት ተሃሊኹም፣ እምነትኩም ፈትሹ እምበር፣ ንዓታቶም ተኪእኹም ሓሶት እዩ ገለ አብ ዝብል ንጻላኢ ዝጠቅም ፕሮፓጋንዳ አይትጸመዱ።

ብዝኾነ ሕማምን ሞትን መለስ ዜናዊ እውን ብእዋኑ ንነዊሕ ግዜ ተሸፋፊኑ እዩ ነይሩ። እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ምኽንያት ድማ ልክዕ ከም ሎሚ ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ።

ብአካል ተዘየለ የለን። አብ ሞንጎ ብልጽግና ዓብይ ጸገም አሎ። አብ ኦህዴድ ባዕሉ ተኸፋፊሎም እዮም። መከላከያ ተኸፊሉ እዩ። ሻዕቢያን መከላከያን አብ ትግራይ ዂናት እዩ ተሪፍዎም ዘሎ። አብ ርእሲኡ ግብጺ አላ። ሱዳን አላ። ካልኦት ሀገራት እውን አለዋ። እዚ ብጽምዋ ዝተዋሓጠ ዘመነ ድርቂ ኢሳያስ አይኮነን። ንድራማታት አይዕድምን። ወድዓዊ ኩነታት አብ ግምት እንዳእተና ንጉዓዝ። ዳይ፣ ይነዛሕ፣ ይሰራጨው፣ ይበተን፣ ደሀይ ሀለዋቱ ህዝቢ ከምዘይብሉ። ብፍላይ ኦሮሞ አብ ማእሰርቲ ዘለዉ መራሕቶም ከይስእኑ ንምልዕዓል ንጠቀመሉ።

0 replies

Leave a Reply

Want to join the discussion?
Feel free to contribute!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *