መግለጺ ዶ/ር ደብረጽዮንን ዶ/ር ሙልጌታን ከመይ ንስረሐሉ?

መግለጺ ዶ/ር ደብረጽዮን ዶ/ር ሙልጌታ (ጫልቱ) ምስ አሌክስ ዴ ቫል ዝገበሮ ናይ ስልኪ ቃለ ምልልስን ሰሚዕና፣ መራሕትና አለዉ እዮም ብትረት ይቃለሱ ኢልና፣ ቀሲንና ከይንዘናጋዕ ጥራሕ ብወገነይ ብጣዕሚ እየ ዝሰግእ።

ከም ደጀን፣ ብፍላይ ድማ አብ ወጻእ ከም ዘለና ናይቲ ቃልሲ አካል፣ እዘን ክልተ ድምጺ መራሕቲ፣ ከም ፍሉይ አጋጣሚ ክንወስደንን፣ ቃልስና ክነጽዕቅን ይግባእ።

ብሓደ ወገን ሓግዙና ዝብል ጻዊዕት ጎሊሁ ይስማዕ አሎ። ብኻሊእ ወገን አብ መትከሎም ጸኒዖም ይቃለሱ ከምዘለዉ፣ ተስፋ ክንቆርጽ ይኹን ኢደ እግርና አጣሚርና ብሓዘን ተሰቢርና ከይንዘናጋዕ፣ ዘዘኻኽር መልእኽቲ እዩ።

ካብቲ ንሳቶም ብብረት ዝቃለስዎ ዘለዉ ዘይነአሰ፣ ምናልባት እውን ብውጺኢቱ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ዝበለጸ ዓወት ዝርከበሉ (እሞ ድማ ናይ ህይወት መስዋእቲ ዘይሓትት) ዲፕሎማሲያዊን ናይ ሳይበርን ቃልሲ ከም ዝኾነ ከዘኻኽሩና ዝፈተኑሉ መልዕኽቲን መግለጺን ኮይኑ ይስመዐኒ።

ብፍላይ ድማ ዓለም ለኸ ሕጊ ጥሒሱ ሀገርና ወሪሩ፣ ህዝብና ዘጋፍዕ ዘሎ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኲናት ንላዕሊ፣ ብዲፕሎማሲን ብሓበሬታን፣ ሕቁኡ ክንጎዝዮ ንኽእል ምዃንና ካባና ንላዕሊ ንሳቶም ዝበረሀሎም ይመስለኒ። ብፍላይ ተጋዳላይ ጫልቱ ብዘየወላውል መንገዲ ነጊሩና አሎ።

85 ምኢታዊ ሰራዊት አብይ ተዘቢጡ እዮ። መራሕቱ ተጋሩ ስለነበሩን፣ ነቶም ተጋሩ ካብ ስርሖም ስለዝአገዶም፣ መራሒ ስኢኖም፣ ብዓይኒ ዕሙተይ ክቃለሱ ተረፍሪፎም ተወዲኦም እዮም። አሸጊሮሞም ዘለዎ ሰራዊት ሻዕቢያ እዩ። ጄነራላት ሻዕቢያ ንወታደራት አብይ ፈንጂ ረገጽቲ ገይሮም ምስ አወድእዎም፣ ብድሕሪት እንዳአተዉ ህዝብና የጋፍዑ ከምዘለዉ ነጺሩ አሎ። ነዚ ገበን ሻዕቢያ ብዓለም ለኸ ድፍኢት ኢና ክንዓግቶ ንኽእል። ሻዕቢያ ነዚ ጠጠው አቢሉ መሬትና ለቂቁ እንድሕር ዘይወጺኡ፣ ዓለም ለኸ ሕጊ ብዘጨንቆም ሀገራት ክዝበጥ እዩ። እዚ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ክንሰርሐሉ ዝግበአና መስርሕ (ስትራቴጂ) እዩ።

ካብዚ ቀጺሉ እቲ ማፊያ ናይ ኢ!ዮጵያ ጉጅለ፣ ዂናት ጠጠው ከብል፣ መንገዲ ክኸፍት፣ ኮኔክሽን ክምልስ፣ ዓለም ለኸ ገለልተኛ ኮሚቴታትን ጋዜጠኛታትን ናብ ትግራይ አትዮም ናይ ምጽራይ ስራሕ ክሰርሑ፣ እቲ ሓቂ ንዓለም ከፍልጥዎ፣ ወዘተ ኮንሰርንታቶም ዝገልጹ ዘለዎ ዓበይቲ ትካላት (ከም ውድብ ሕቡራት መንግስቲታትሕብረት አውሮፓNGOታትDoctors Without Borders ወዘተ)፣ ሀገራትን (አሜሪካፈረንሳይኖርወይ፣ ጀርመን፣ ወዘተ)፣ ሚድያታትን እንዳጠቀስና ጎስጓሳት ምክያድ … ናይ ሚልየናት ህይወት ዘትርፍ፣ ሀለዋት ትግራይን ተጋሩን ዘቀጽል፣ ስራሕ ምዃኑ ብደንቢ ተገንዝቢና ብወነ ንቃለስ።

ብወገነይ አብዛ ትመጽእ ዘላ ሰሙን አብዘን ዝስዕባ 3 ነጥቢታት ብፍሉይ ትኹረት ክንሰርሐለን ዝግበአ መደባት ገይርና ተንወስደን ውጽኢታዊ ክንኸውን ንኽእል ኢና ኢለ ይአምን።

  1. ብአሜሪካ ዝተጀመረ ማስጠንቀቂያታት ናብ ተግባር ንኽሰጋገር ቃልስናን ጎስጓስናን ምጽዓቅ፣
  2. ሕብረት አውሮፓ አብ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ዝሰዶ ብፊንላንዳዊ ዝምራሕ ልኡኽ፣ አብ ደገ ዘለና ይኹን አብ ውሽጢ ዓዲ ዘለና ተጋሩ ዓብይ ትጽቢት ከምዘለና ንገልጸሉ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ዘመቻ ምድላው፣
  3. ወድብ ሕቡራት ሀገራት ብፍላይ አብ ደቂ አንስትዮን ህጻውንትን ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዒ (ከምዘተሓሳሰቦ ምግላጹ እንዳዘከርና) ናብ ስጉምቲ ምውሳድ ክሰጋገር ጎስጓስ ምግባር።

እዘን መግለጺታት ዶክተር ደብረጽዮንን ዶ/ር ሙሉጌታ ነዚ ዕላማ ክንጥቀመለን ተስፋ ይገብር።

0 replies

Leave a Reply

Want to join the discussion?
Feel free to contribute!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *