,

ዝፍጠሩ ዘለዉ ዕድላት ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ንጠቀመሎም?

ሱዳን ግዝአታ ንኽተምልስ፣ አል ፋሽቃ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ዋላ ቤንሻንጉል ጉሙዝን መተማን ናብ ኢዳ ክተእትወሉ ትኽእለሉ ዓብይ ዕድል አጋጢምዋ አሎ። ብተአምር ነዚ ዕድል እዚ አይትለቆን። ዘለዋ ሓይሊ ጸንቂቃ ክትጥቀም እያ።

መንግስቱ ሀይለማርያ፣ ገነት አየል አብ ዝጸሓፈቶ “ትዝታዎቹ” ብትምክሕቲ ዝገለጾ ነገር አሎ። ንሱዳን፣ አብ ክልተ ዝኸፍለንያ ንሕና ኢና፣ ንደቡብ ሱዳናውያን ነዕጥቆም ነይርና፣ ይብል። ሱዳን አብ ክልተ ምስተፈንጨለት ድማ ብአደባባይ ወጺኡ ተሓጓሱ ገሊጹ። ስርሒትና እዩ ኢሉ እውን ጨዲሩ። ሱዳናውያን በዚ ውሽጦም ምስ ሓረረን፣ ሕነ ንምፍዳይ ግዜን ቦታን እንዳተጸበዩን እዮም ጸኒሖም። ሎሚ እታ ዕድል ንሳ ሕነ ንምፍዳይ ክጥቀሙላ እዮም።

ትማሊ እቲ ናይ ሱዳን ሌ/ጄነራል ብጉልበት አብ ዝሓዞ ምስ ሱዳን ዝዋሰን መሬት አምሓራይ ተረኺቡ ንሰራዊቱ አብዘተሓላለፎ መልእኽቲ፣ ክሳብ ሕጂ ተዋሪድናን ኽሳድና ተሰይሩን ኢና ጸኒሕና፣ ሕጂ ግን ሕኔና ንፈድየሉ ግዜ እዩ። ካብዚ ቦታ እዚ ፈጺመ አይወጽእን። ክንዲ ጣፍ ትኸውን መሬት እውን ካብዚአ አሕሊፍና አይንህብን፣ እንዳበለ ንዓብይ ዂናት ከዳልዎምን ከለዓዕሎም እዩ ውዒሉ። ሱዳን ናብ ዂናት ከምትአትው ብዕሊ ገሚትናዮ ዝጸናሕና እዩ።

ብኻሊእ ወገን ድማ፣ ግብጺ ልክዕ ከምሱዳን አብ አባይ ዘለዋ ረብሓ ብዘላቂነት ተረጋግጸሉ ዕድል ሎሚ ተፈጢሩ አሎ። ሓደ ሓደ ናይ አብይ አሕመድ ፕሮፓጋንዲስት፣ ዝኾነን ዘይኮነን ዘረባ እንዳለጋገቡ፣ ግብጺ ናብ ዂናት ትአትወሉ ዕድል ንእሽተይ እዩ፣ ሱዳን እውን ውሽጣ ይሕመስ እዩ ዘሎ፣ ገለ ይብሉ። እቲ ሓቂ ንሱ አይኮነን። ኩልና ከምንፈልጦ፣ ናይ ግብጻውያን ህይወት ምስ አባይ ዝተተአሳሰረ። ናይ አሜሪካ ዶላር፣ ናይ አዕራብ ድጋፍ ገለ፣ ጊዜያዊ እዩ። ከም “ጤዛ” ቶሎ ዝረግፍ እዩ። አሜሪካ ተኸደ፣ ራሺያ፤ ራሽያ ተኸደ ቻይና፣ ዝመጸሉ ግዜ እዩ። ምስ ዘለቄታዊ ረብሐኦምን ሀለዋቶምን ዝተአሳሰር አይኮነን። ንግብጺ እቲ ወሳኒ ነገር፣ ህይወቶም፣ ማይ እዩ። ነቲ ማይ ክሳብ መወዳእታ ሰክዪር ዝገብሩሉ ዕድል ተፈጢሩሎም ከምዘሎ ይአምኑ እዮም። ህዳሴ ግድብ ሽፋን እዩ። እቲ ዋና አባይ ባዕሉ እዩ። ካብ አባይ ዋላ ሓንቲ ሻንኬሎ ማይ ምጥላፍን ምኽታርን ኢዮጵያ ከይትኽእል፣ ከምታ ምንሊክ ተገዲዱ አቲዋ ዝነበረ ውዕሊ፣ ሎሚ ውን አብይ አሕመድ ተጊዲዱ ክፍርም እዩ እቲ ድሌታን ቃልሳን። እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዕድል ንዕዑ ምፍጻም ዘኽእል ስለዝኾነ። ካብዚ ወጻእ ተነቃኒቁ ዘሎ ስርዓት ምስ ሱዳንን አብ ውሽጢ ዓዲን ዘለዉ አንጻር እቲ ስርዓት ዝኾኑ ጉጅለታት፣ ሓቢሮም ምቅጥቃጥ እዩ ዝሓሸ አማራጺኦም። ነዚ ካብ ምግባር ዝእግዶም ድማ ምንም ምኽንያት የለን።

ነዚ ድማ ይመስል፣ ክተናኾሱ፣ አብ ትግራይ ኢንቨስት ጌርናዬ ዝነበርና መልቲ ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት፣ ብሻዕቢያን ብወታደራትኩም በሪሱ አሎ። ካሕሳና ሀቡና ምባል ጀሚሮም ዘለዉ። ኢሳያስ ድማ ስርሑ ስለዝፈልጥ፣ ኢምባሲኦም ዓጺዩ፣ አምባሳደራቶም ንዓዶም አፋኒዎም። አብዚ ደረጃ ዝበጽሓ ሀገራት፣ እሞ ድማ አብዚ እዋን እዚ፣ ናብ ሙሉእ ዂናት ዘይሰጋገራሉ ምንም ምኽንያት የለን። ግብጺን ሱዳንን ንአብይ አሕመድ፣ ንኢሳያስን፣ ንመሬት አስመላሻትን ክቅጥቅጣ እንድዬን፣ ንሕና ድማ ነቲ እድል ንሱ ተጠቂምና አጸቢቆም ምእንታን ክደዓኹ ነቲ ኻሊእ ህዝቢ እንዳለዓዓልና፣ ንባዕልና ድማ ካብዘለናሉ ባይታ ቀልጢፍና ንትስአሉን ንጠናኸረሉን ዂነታት ንምፍጣር ናይ ሓጺርን ነውሒን፣ ናይ ቀረባን ርሑቅን ስትራጄታት በቢዓይነቱ ሓንጺጽና ቃልስና ክነጠናኽር ይግባእ። ብሓዘን ከይንዘናጋዕ ነስተውዕል።

የሐርነና እምበር አይንበርክኸናን!

0 replies

Leave a Reply

Want to join the discussion?
Feel free to contribute!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *