, ,

ሸብረኽ ከይንብል ሃየ

ዝሓለፈ ግንቦት አብ ዋልታ ዝቀረበት ዶክመንተሪ ትዝክርዋዶ? ቃለ መሕትት ዝተገበረሎም ሰባት አብይ አሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ አብ ክልል አምሓራ ብባእዴን አባላት ግፍዒ ዝበጸሖም ተወለድቲ አምሓሩ ዝርከቡሉ ዶክመንተሪ እዩ ነይሩ። እሞ ድማ እቲ ቃለ ምልልስ ዝተካየደሉ ጊዜ ሕዳር፣ ክሳብ ግንቦት ናብ ሚድያ ከይቀረበ ጸኒሑ መዓልቲ ሓልዮም ግንቦት 20 ብዋልታ ፈንዮሞ። ዓላማኡ ግልጺ እዩ ነይሩ። ስነልቦናዊ ጦርነት እዩ ነይሩ። ብቲ ዝነበረ ስርዓት ግፍዒ ዝበጽሖ ሰብ አይነበረን ማለት አይኮነን፣ ብኹሉ ወገን ሽግራት ነይሮም እዮም፣ ኮይኑ ግና አብታ መዓልቲ ንሳ ኩሉ በደላት ናብ ሓደ ወገን ለጢፎም እቲ መንጋ ህዝቢን ስርዓትን ከይፈለየ ጽልኢት ከሕድር እዮም ገይሮም።

እታ ናይ ትማሊ ዜና እውን ልክዕ ከምዚአ እያ። ኮነ ኢሎም ሓሲቦሙሉ፣ ንቲ መንጋ ዘሕጉስ ጥራሕ ዘይኮነስ (ምስ ቡቅሊን ገለን እዚ ዜና ደሪቦምሉ) ብታሓጓስ ጭድድ እንዳበለ ሰብኮንሼስሊ ብጽልኢት ትግራዋይን መራሕቱን ፍንጽሕ ክሳብ ዝብል ዝሕጎስ ሳዲስት ንምግባር ዝዓለመ እዩ። ሓቂ ይኹን አይኹን፣ ዝሓትት የለን። ክሓትት እውን አይደልይን። እታ ክሰምዓ ዝደሊ ነገር፣ መዓልቲ እንዳመረጹ ክሳብ አስምዕዎ አይጣጣኡን። ነዚ ዝምጥን ስነልቦናዊ ስንቂ ድማ ይህብዎ አለዉ።

ትማሊን ብቅድሚ ትማሊን አብ ማሕበራዊ ሚድያ ክትብተን ዝወዓለት ናይቲ ጄነራል ንግግር ኩልና ሰሚዕናያ ኢና። ኤርትራ ምእታዋ ጥራሕ ዘይኮነ ዘቃልዐስ፣ ብዘይድልየትን ጽዊዕትን እቲ መከላከያ ምኳኑ እዩ ዝተዛረበ። ነዚአ እቲ ህዝቢ ብደንቢ ሰሚዑ ምስትንታን እንድሕር ጀሚሩ፣ እቲ ብግልጺ ክንሪኦ ዝቀነና አብ ውሽጢ ፒፒ አብ ሞንጎ አምሓሩን ጉጅለ አብይን ዘሎ አፈላላይ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ አብ መንጎ መከላከያን ፒፒ፣ ከምኡ እውን አብ ውሽጢ መከላከያ ንባዕሉ አፈላላያት ብግልጺ ይረአዩ ከምዘለዉ ክርዳእ እዩ። እቲ ህዝቢ ነዚ እንድሕርተረዲኡን ተስፋ ምቁራጽ እንተጀሚሩን፣ አብይ አሕመድጣጣኡ አይኽእሎን። ትኹረት እዩ ዘቀይስ ዘሎ። እዚአ ውሽጢ ንውሽጢ እንድሕር ተብላዕሊዓ፤ ወይ ብልጽግና ምስ መከላከያ፣ ወይ መከላከያ ነንባዕሉ፣ ወይ ብልጽግና ነን ባዕሉ፣ ወይ ድማ ኢሳያስን አብይን ነንባዕሎም ክዋድኡ ይኽእሉ እዮም። ቀሊል ነገር አይኮነን። (ካብ ማ/ሰብ ዓላም እቲ ዝድለ ጸቅጢ ክመጽእ ከሎ ክንዕዘቦ ኢና።)

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ፣ ካብቲ አብ ትግራይ ዝዳዓኾ ዘሎ ብዘይንአሰ ምስ ሱዳን አብ ዶብ ዝወለዖ ዂናትን ጉዳይ አባይን፣ ምስ ግብጺ ‘ውን ምስ ናይ አባይ ፖለቲካ ተታሓሒዙ ርእሱ ይፍንጻሕ እዩ ዘሎ። አብ መተከል ዘሎ ረመጽ፤ አብ ኦሮሚያ ዘሎ “ሰደድ እሳት”፤ ብማሕበራዊ ሚድያን ብዲፕሎማሲን ዝበጽሖ ዘሎ ኪሳራታት፤ ብኢኮኖሚ ሕቁኡ ዝጉዘዞ ዘሎ ኹነታት እንትንርእይ ብከምዚ ዓይነት ዜናታት ምድንጋር ተዘየፈተነ እዩ ዝገርመና። ንሰራሕተኛታቱ ወርሓዊ ደሞዝ ምኽፋል አብይዎ፣ ገንዘብ እንዳሐተመ አይጠቅምን ኢልዎስ ናይ ወርሒ ክልተ ወርሒ መሃያኹም ለግሱኒ እንዳበለ ዘገድዶም ዘሎ ሰብአይ፣ … ካብዚ ኹሉ ውጥረታትን ጭንቀትን ንምምላጥ፣ ብኸምዚ ዓይነት ህበቡላ ህዝቢ እናደናገረ ቁሩብ ግዜ ክዕድግ እንድሕር ዘይፈተነ እንታይ ህይወት ክህልዎ? ትመጽእ ዘላ ሰንበት ድማ ምስ ግብጺን ሱዳንን ቡኛ ይጽበዮ አሎ እዩ።

እሞ ፋሕጠርጠር መበሊ ዘላቶ አማራጺ ዝሓዞም ይሀልዉ አይሀልዉ፣ ዝረሸኖም ይሀልዉ አይሀልዉ፣ ብዘየግድስ፣ ውሑዳት ሽማት ጸሪሑ ቦለል ክብል ግድን እዩ። “ይፋ እናደርጋለን” ካብዝብል እኮ ዳርጋ ወርሒ ገይሩ። ደምሲስናዮም፣ አቃቢጽናዮም፤ ኲናት ተዛዚሙ እዩ ካብ ዝብል ወርሒ ሓሊፍዎ እኮ። መስሐቂ ዓለም ኮይኑ። ሕዚ እንደገና መቃብር ፈንቂሎም ዝወጹ ውሑዳት ሰባት ጸሪሑ ተዓዊቱ ማለት ድዩ በቃ?! ካብቱ ንሱ ሒዘዮም ቀቲለዮም ዝብሎ ዘሎ ንላዕሊ፣ ብሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ስጉምቲ ዝተወሰዶም ናቱ ጄነራላትን ኮነሬላትን ብልዕሊ ዕጽፊ ይበልጹ። ናይ ሻዕቢያ ድማ አለዉ፣ ከም ምርቃት፣ ብኮቪድ ተዳዒኽና ዝብሉ።

በዚ ግን አይኮነን ዂናት ክምዘን ዘለዎ። ሓፈሻዊ አንፈቱ ንረአዬ። ሓቂ ይኹን አይኹን ብዘየገድስ (ዝትጻረየ ሓበሬታ ካብዝምልከቶም ክሳብ ንረክብ) እንድሕር ክኢሎም ክሳብ ሓደ ሚልዮን ተጋሩ ክጭፍጭፉ ከምዝሀቀዱ ነስታውስ። እቲ ዂናት ናይ ውልቀ ሰባት፣ ናይ መራሕቲ፣ ወይ ናይ ሓደ ውድብ ጥራሕ አይኮነን። ናይ ህዝቢ እዩ። አብ መንነትን ሀለዋትን ትግራዋይ ምጥፋእ ዝዓለም ዂናት እዩ። ብዝተሓተ ናይ ህይወትን ንብረትን ወጻኢ፣ አብ ዝሓጸረ እዋን ትግራዋይ ተዓዊቱና ንክወጽእ፣ እንታይ ንግበር፣ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝገብርናዮ ዝተፈለዬ ወይ ዝሓሸ ታይ ክንገብር አለና ኢልና ንባዕልና ሓቲትና በርቲዕና ክንቃለስ ጥራሕ እዩ ዘለና።

አብ መወዳእታ ከም ሓንቲ ቲፕ፣ ናቱ ዜና ተዘይተኸታተልና ይምረጽ። ዋላ ንሕና ንጽሕፎን ንዛረቦን እውን ከምዘሎ አይትውሰድዎ። አመዛዝኑዎ። ካልኦት ሰባትን ሚድያታትን ብፍላይ ወጻእተኛታት ታይ ይብሉ ከምዘለዉ እንዳተኸታተልኩም ትሕዝዎ መረዳእታ ሚዛናዊ ግብረዎ። እዚአ እንድሕር ገይርና ብሀበ ተረኸበ አይንደናገጽን። እኳደአስ ናይ ዓቅሊ ጽበት ብዙሕ ይፍትኑ ከምዘለዉ ኢና ንርዳእ። መንጋታቱ ከሐጉስን ከደንዝዝን ብዝፈነዎ ዜና፣ ተዳሂልኩም ወይ ተደናጊጽኩም እንድሕር ውዒልኩም ካብ ዝሓሰቦ ንላዕሊ ውዕለታ ፈጺምኩሉ አለኹም ማለት እዩ። እቲ ጌም ስነልቦናዊ እዩ። ሸብረኽ ከይንብል ሃየ … እተን አብ ላዕሊ ዝጠቀስኩወንን ካልኦትን … ስሒንወን ዘሎ ቅልውላዋትን ምፍርኽራኻትን ነስተውዕለን!

0 replies

Leave a Reply

Want to join the discussion?
Feel free to contribute!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *