ህልው ኹነታትን ምዕባለታትን ትግራይ

ኢዩ ቅድም ኢሉ ዘፍለጦ ናይ 90ሚልዮን ዩሮ ኢኮኖሚክ ሳንክሽን ተግባራዊ ገይርዎ አሎ። እቲ ሰብአይ ተሰመዐን ተተአረመን ኢሎም ነቲ ስጉምቲ ተግባራዊ ከይገበሩ ንእሽተይ ጊዜ ተጸብዮሞ ነይሮም፣ ነቲ ዝተወሃቦ ዕድል ስለዘይተጠቀመሉ ድማ ተግባራዊ ገይሮሞ አለዉ። ንኻልኦት ጽቡቅ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ስጉምቲ እዩ። ብሓፈሻ እንትረአ ብመዳይ ዲፕሎማሲ አብ አውሮፓ ብብዙሕ መልክዕ ትግራይ ትዕወት አላ። ብዙሓት ዓዲታት አውጊዘን ነናይ ባዕለን ጸቅጢ ክፈጥራን ስጉምቲታት ክወስዳን ጸኒሐን እየን። ናይ ኢዩ ድማ ብዓብዩ ዝተረኸበ ዓወት እዩ። ክንዲዝግብኦም ትኹረትን ምስጋናን ዘይሀብናዮም ግን ድማ ብውለቀ ሰብ ደረጃ ብመዳይ ዲፕሎማሲ ወሳኒ ግደ ዝጻወቱ ዘለዉ መብዛሕትኦም ነበርቲ አውሮፓ እዮም።

አብ አውሮፓ ክንድዝርከብ ዘሎ ዓወት አብ አሜሪካ ተዝርከብ ብፕሮፓጋንዳን ብዲሴፕሽንን ጥራሕ ዝትንፍስ ዘሎ እቲ ሰብአይን መሻርኽቱን መላወሲ ምሰአኑ ነይሮም። አሜሪካውያን ሴናተራት ዝጀመርዋ ሪዞልዩሽን አሎ፣ ንሳ እንድሕር ሓሊፋ ኮይኑና እዩ እንዳበሉ ብብዓል ነአምን ዘለቀ ዝምራሕ ሰፊሕ ዘመቻ ኸፊቶም ይረባረቡ አለዉ። አብ ኩለን ስቴት ትነብሩ ተጋሩን አሕዋትና ኤርትራውያንን አብዚአ ብኹሉ ዓቅምኹም ክትነጥፉ አለኩም።

እቲ ሓቂ እንዳወጸ ብዝኸደ ቁጽሪ መስደመሚ ታሪኽ ጀግንነት ህዝብና ከም ባና ይውላዕ አሎ። ናይ አብይን መሻርኽቱን ዑምቀትን ስፍሓትን ገበናትን እውን ብተመሳሳሊ ይንጽር አሎ።

ናይ UN ሰራሕተኛታት UAE ብድሮናታ አቢላ አብቲ ኹናት ምስታፋ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሞት ንጹሀን ተጋሩ እውን ተሓታቲ ከምትኸውን መረዳእታታት ይወጽኡ አለዉ።

ሻዕቢያ እውን ከምኡ አብ ኹናት ምስታፉ፣ ሲቪልያን ምቅታሉ፣ ንብረት ትግራይ ምዕናዉን ምስራቁን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ አብ ናይ መንግስቲ ቦታታት እውን ተመዲቡ ተጋሩ ፕሮፋይል አብ ምግባርን ብፍላይ ድማ ስልኪ እናጠለፉ አብ ምክትታልን ከምዝርከቡ መረዳእታታት ይወጹ አለዉ።

ብምዕራብ ትግራይ ዝተፈጸሙ ገበናት ናይ ግድን ብገለልተኛ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክጻረዩ ዮም።

ገበናት አብይ አሕመድን መሻርኽቱን ተዘርዚሮም አይውድኡን። ተጀሚሮም ዘለዉ ስጉምትታት ተጠናኺሮም ንኽቅጽሉን ብኹለመዳይ ክነቃብጾን ምእንታን በቢዘለናዮ ተጠናኺራ ስራሕትና ንስራሕ።

አጀንዳ እንደሀቡ ትኹረትና ከዛብዑ፣ አብ መንጎና እውን አፈላላይ ክፈጥሩን ከስፍሑን ላሕ ይብሉ ከምዘለዉ አይንዘናጋዕ።

ብሀገርናን ብሀለዋትናን ካብ ዝመጸ ሓይሊ ንላዕሊ ብሓደ ጠጠው ከብለናን ከሐርነና ዝኽእል ነገር አይህሉን።

ትግራይ፣ ትግራዋይ፣ ትግራዋይነት፣ ናይ ግድን ይዕወቱ!!

0 replies

Leave a Reply

Want to join the discussion?
Feel free to contribute!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *