ህወሓት አብ ዓርሰ ቅትለት ተጸሚዳ አላ። እዚ ጉባኤ እንድሕር ተኻይዱ 3 ዓበይቲ ነገራት ክንርኢ ኢና፥
- እቶም ኦልድ ጋርድስ ስልጣኖም አጽኒዖም ንምትሓዝ ስግኣት እዮም ንዝብልዎም አመራርሓታትን አባል ማእኸላይ ኮሚቴን አባሪሮም ብደገፍቶም (አዝማዶም) ክትክኡ እዮም። ንምብራር ዘቅልለሎም ስጉምቲ ድማ ጌታቸው ረዳን ሰዓብቱን ሽሞም ጠቂሶም ብምፍራም ፍርቂ እቲ ስራሕ አሳሊጦምሎም እዮም።
- ምርጫ ቦርድን አብይ አሕመድን ነቲ ሓዲሽ አመራርሓ ስለዘይቅበልዎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክወስዱ ክፍትኑ እዮም። ፕሮፓጋንዳ ዂናት ክንገርን ክብተንን እዩ።
- አብ ውሽጥና ኾይኖም ከውቁዕና እዮም ብዝብል ስግአት ጉጅለ ህወሓት ንአባላት ግዜያዊ መንግስቲ ብማእሰርቲ ወይ ድማ ብኻሊእ መዳይ ብምእላይ ስልጣን ተዘይተረከብና ክብሉ እዮም፤ ወይድማ ጉጅለ ጌታቸው ብህልኽ ምስ ብልጽግና ጸሚዱ ከይቀደሙኒ ክቅድሞም ክብል እዩ።
- ጉጅለ ጌታቸው እንድሕር ተቀዲሙ፣ ዳግማይ ኖቨምበር ፎር ክንርእይ ኢና።
- ጉጅለ ጌታቸው እንድሕር ቀዲሙን ነቶም በተንቲ ክዓግት እንድሕር ኽኢሉን፣ ነቲ ብጉልበት ዝተኻየደ ጉባኤ ውድቂ ብምግባር፣ ኻሊእ ጉባኤ አብ ካሊእ እዋን ክካየድ ተገይሩ፣ አብይን ምርጫ ቦርድን ዝቅበልዎም መረሕቲ ክምረጹ እዮም። አብ ትሕቲ አብይ ምዃና ዘይተረፈ፣ ቅድሚ ብሄራዊ ምርጫ ምክያዱ እትብልጽግ ህወሓት ክትፍጠር እያ።
በቲ በለ በዚ፣ ህወሓት ዓርሰ ቅትለት ብምፍጻም፣ ከምተመን ርእስርእሳ ዝቀጥቀጣ አካል ክዕወት ዓብይ ግደ ትጻወት አላ።
ብርግጽ ካብቲ ዕንቅጽናን ድንቁርናን ተአልያ፣ ቁሩብ ክተሰላስል እንድሕር ፈቲና ነዚ ጉባኤ ሰሪዛ ብኢሂንምሂን አፈላላያ እንድሕር አታዓሪቃ ሓደ ዕድል ክህልዋ እዩ። ሃለዋታ አድሒና ዝሓሸ ዓቅሚ ሒዛ ንቅድሚት ትግስግሰሉ ዓቅሚ ንምፍጣር ብውሑድ ነዚ ጉባኤ አናዊሓ ዝተሓናፈሹ መሓውራታ ክተሸማግል አለዋ። ይኹን እምበር ውሽጣዊ አፈላላይ ንአደባባይ ብዙሕ ወጺኡ ስለዘይፈልጥ፣ አፈላላያት ናይ ምትዕራቅ ልምዲ የብላን። ሓደ ኽልተ ዝጠቀሳ ተሃልዬን ድማ፣ ሓደ ጉጅለ ብኻሊእ ጉጅል ተዘቢጡ ካብ ጸወታ ወጻእ ዝኾነሉ ልምዲ እዩ ዘለዋ። ሎሚ ከምቀደም ህወሓት ገባሪት ሓዳጊት ዝኾነትሉ እዋን ስለዘይኾነ፣ ሓደ ጉጅለ ስዒሩ ዝወጸሉ ዕድል የለን።
ብውልቀይ ንነዊሕ እዋን፣ ህወሓት ትኽተሎ ዘላ አካይዳ፣ ልክዕ ከምታ ናይ አዲስ አበባ ካብ ውሽጣ ብዝወጹ ሰባት ተዘቢጣ ካብ መሬት ትግራይ እውን ንኽትባረር ዝዕድም እዩ፣ እናበልኩ ጸኒሐ እየ። ሎሚ ናብኡ ገጽ ንጽጋዕ አለና።
Leave a Reply
Want to join the discussion?Feel free to contribute!